ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህንጸት ግድብ ኣባይ፡ ግብጺ ንዝብጽሓ ማይ ዝጸሉ እንተኾይኑ ጠጠው ከብልዎ ቀ/ሚ መለስ ተሰማሚዖም`ዮም-ኢሎም ልኡኽ ግብጺ

ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብርሃነ ገብረክርስቶስ ግን፡ ሓዲሽ መንግስቲ ግብጺ ክሳብ ዝትከል ምጽዳቕ ውዕል-ናይል ክደናጔ ተሰማሚዕና`ምበር፡ እቲ ህንጸት ሓጽቢ ጠጠው ኣይነብሎን ኢና ኢሎም

ምኽትል ምንስተር ወጻኢ ኢትዮጵያ ብርሃነ ገብረክርስቶስ ግን፡ ሓዲሽ መንግስቲ ግብጺ ክሳብ ዝትከል ምጽዳቕ ውዕል-ናይል ክደናጔ ተሰማሚዕና`ምበር፡ እቲ ህንጸት ሓጽቢ ጠጠው ኣይነብሎን ኢና ኢሎም

ኣዲስ ኣበባ በጺሑ ናይ ዝተመልሰ ጉጅለ ልኡኽ ግብጺ ኣባል ሒሻም ኣል-ባስታወሲ፡ ቀዳማይ ምንስተር ኢትዮጵያ መለስ ዜናዊ፡ ንውዕል ናይል ኸደናጉይዎ ኸምዝተሰማምዑን፡ እቲ ፕሮጀክት ነቲ ግብጺ ትጥቀመሉ ብጽሒት ማይ ናይል ዝትንክፍ እንተኾይኑ፡ ጠጠው ኸብልዎ ከምዝተሰማምዑ ኣብ ግብጺ ንሓደ Daily News Egypt ዝተባህለ ናይ ግብጺ ጋዜጣ ገሊጾም ኣለዉ።

ኣቶ ብርሃነ ግን፡ እቲ ዝመጽእ ምምሕዳር ግብጺ ነቲ ፕሮጀክት እንተተቐቢልዎ፡ ነቲ ሓጽቢ ብሓባራዊ ምትሕብባር ንምስርሑ ክንደፍኣሉ ኢና ኢሎም።

ምኽትል ምንስተር ኮሚኒኬሽን ሽመልስ ከማል ብወገኖም፡ ህንጸት ሓጽቢ ህዳሰ፡ ኣብ ሰናይ ፍቓድ ግብጻውያን ዝተመርኮሰ ኣይኮነን ኢሎም።

ብዛዕባ`ዚ ምሉእ ዜና ንምልክት ድምጺ ብምጥዋቕ ምስማዕ ይክኣል

XS
SM
MD
LG