ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሙስሊማዊ ሕውነት ንሃገራዊ ተቃውሞ ሰልፊ ፀዊዑ


ሰልፈኛታት ግብፂ
ሰልፈኛታት ግብፂ
ኣብ ግብፂ ኣንፃር ወትሃደራዊ ድጋፍ ዝኸሰበ ጊዚያዊ መንግስቲ ሰፊሕ ሃገራዊ ተቃውሞ ሰልፊ ንክካየድ ሙስሊማዊ ሕውነት ብመሰረት ዘቅረቦ ፃውዒት፣ደገፍቲ መሓመድ ሙርሲ ኣብ ጎደና ወፂኦም ከምዝዋዓሉ ተገሊፁ።

ኣሻሓት ተቃወምቲ ኣብ ጥቃ መስጊድ ራባሕ ኣል-ኣድዊያ ካይሮ ኮይኖም፣ሚስተር ሙርሲ ናብ ስልጣኖም ንክምለሱ፣ከም መሓመድ ገማል ሓቂ ተዛረቡ እናበሉ የቃልሑ ነይሮም።

መሓመድ ገማል፣ደጋፊ ፕረዚደንት ሙርሲ‘ዩ፣ሰራዊት ግብፂ ንሕጋዊ መንግስቲ፣ንምርጫን ድልየት ህዝቢ ጠሊሙ ድሕሪ ምባሉ፣ፕረዚደንት ሙርሲ ናብ ስልጣኖም ክምለሱ ድልየቱ ምኳኑ ጠቂሱ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ተቃወምቲ ፕረዚደንት ሙርሲ፣ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ናይ ባዕሎም ሰፊሕ ሰልፊ ከካይዱ ይቀራረቡ‘ለው።
XS
SM
MD
LG