ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ደገፍቲ ሙርሲ፣ሎሚ‘ውን ይቃወሙ ውዒሎም


ደገፍቲ ሙርሲ
ደገፍቲ ሙርሲ
ኣብ ምስሪ ደገፍቲ ናይቲ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ሎሚ ሓሙስ እውን ኣብ ጎደናታት ብምውጻእ ተቓውሞኦም ንግዝያዊ መንግስቲ’ታ ሃገር ይገልጹ ኣለው። ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ኣብቲ ትማሊ ረቡዕ ዝተኻየደ ግጭት ኣብ ሞንጎ ደገፍቲ ሞርስን ኣባላት ጸጥታ ምስርን ቁጽሪ ዝሞቱ 525 ከምዝበጽሐ ተሓቢሩሎ። ፕረዚደንት ኦባማ ንግዝያዊ መንግስቲ ምስርን ኣባላት ጸጥታኡን ተቓወምቲ ንምብታን ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ነቒፍዎ’ሎ።

ፕረዚደንት ባራክ ኦባማ ሎሚ ኣብ ሰዓታት ናይ ንግሆ ንኩነታት ምስሪ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ -ግዝያዊ መንግስቲ ምስርን ኣባላት ጸጥታኡን ተቓወምቲ ንምብታን ንዝወሰድዎ ስጉምቲ ነቒፉ። ነቲ ኣብዚ ግዜ’ዚ ብሰበ-ስልጣን ምስሪ ኣብታ ሃገር ተስገዲዱ ዘሎ ሕጊ ማርሻል ድማ ወጊዝዎ።

ብዘይካዚ ፕረዚንት ኦባማ - “ Bright Star” ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ኣብ ሞንጎ ምስርን ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ኣብ ዓመት ክልተ ግዜ ዝካየድ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ክቃረጽ ኣዚዙሎ። በቲ ኣቐዲሙ ዝወጸ መደብ እዚ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ክካየድ’ዩ ነይርዎ። ፕረዚደንት ኦባማ ንምቁራጽ እቲ ሓባራዊ ወተሃደራዊ ታዕሊም ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ

”እቲ ዝጸንሐ ዝምድናና ሰላማውያን ሰባት ኣብ ጎደናታት እናተቐትሉን መሰላት እናተጣሕሱን ከምቀደሙ ዝቕጽል ኣይኮነን። ምስራውያን ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝረኣናዮ እቲ ኩአንታት ዝተፈልየ ኣተሕዛ ክህልዎ ይመርጹ። ንሶም እውን እንተኾነ - እቲ ዘካይድዎ ናዕቢ ቀጻሊ ህውከት ከቃርጽዎ ይግባእ” ኢሎም።

ፕረዚደንት ኦባማ ሓደ ጉጅለ ሃገራዊ ድሕነት ንኩነታት ምስሪ ብቐረባ ክከታተል መምርሒ ከምዘመሓላለፈ ገሊጹ’ሎ። ብዘይካ’ዚ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ኣብ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ምስሪ ጸግዒ ከምዘይትሕዝ ብተወሳኺ ኣፍሊጡ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ - ዝተፈላለዩ ኣህጉራውያን ውድባት ንኩነታት ምስሪ ኣመልኪቶም ስክፍትኦም የስምዑ ኣለው። ኣፈኛ ዋና ጸሓፈ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ባንኪ ሙን ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ- ባንኪሙን ሰበ-ስልጣን ምስሪ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ሓይሊ ምጥቓሞም ንባንኪሙን ከምዘሕዘኖ ኣፍሊጡ። ምዝውታር ሓይሊ - ፍታሕ ናይቲ ዝተፈጥረ ኩነታት ከምዘይኮነ ባንኪ ሙን ምግላጹ ድማ ኣፈኛኡ ብተወሳኺ ሓቢሩ።

ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት’ውን ተመሳሳሊ መልእኽቲ ናብ ካይሮ ተመሓላሊፉ’ሎ። ኣፈኛ ኤውሮጳዊ ሕብረት ፔተር ሳታኖ ካብ ብራሰልስ - መርገጺ ኤውሮጳዊ ሕብረት ናዕቢ ፍታሕ ኣይኮነን ዝብል ከምዝኾነን - ኩሎም ወገናት ሓይሊ ካብ ምዝውታር ክቑጠቡ ጸዊዑሎ።

መንግስታዊት ተለቪዥን ምስርን ካልኦት መሰኻኽርን ጊዛ ንዝተባህለት ቅርስታት ፒራሚድ ፈርኦናት ዝርከቡላ መስሕብ በጻሕቲ ኣብ ዝኾነት ከተማ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ሰልፊ እስላማዊ ሕውነት ንመንግስታዊ ህንጻታት ከምዘጥቅዑ ይገልጹ።

በዚ ኣብ ምስሪ ተፈጢሩ ዘሎ ሓድሽ ኩነታት ኣብ ካይሮ ንሓያሎ ምስራውያን ናብ ናይ ተቓውሞ ቦታታት ስሒቡሎ። ኣብ ከተማታት ኣለክሳንድርያን ስወዝን ድማ ጎንጺ ፈጢሩሎ። ሚኒስትሪ ጥዕና ምስሪ ኣብ ናይ ትማሊ ጸብጻቡ 525 ከምዝሞቱን ካልኦት 3700 ድማ ከምዝቖሰሉን ሓቢሩ። ሰልፊ እስላማዊ ሕውነት ግን ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 4500 ከምዝኾነ ይገልጽ።
XS
SM
MD
LG