ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ካብ ስልጣን ወሪዶም


ግብፃውያን ተቃወምቲ ሙባረክ
ግብፃውያን ተቃወምቲ ሙባረክ

ወትሃደራዊ ቤት ምኽሪ ስልጣን ተረኪቡ

ፕረዚደንት ግብፂ ሑስኒ ሙባረክ ድሕሪ ናይ ሰላሳ ዓመት ዕድመ ስልጣኖም ካብ ስልጣን ሎሚ ወሪዶም።ኣብ ኣደባባያት ግብፂ ብሕልፊ ድማ እቲ ኣብ'ዚ ቅልውላው'ዚ ማእከል ተቃወምቲ ኮይኑ ዝቐነየ ኣደባባይ ታሕሪር ብዓውታ ሰባትን ድምፂ ማካይንን ክናወፅ'ዩ ኣምስዩ።

ፕረዚደንት ካብ ስልጣን ከምዝወረዱ ብቴሌቭዥን ግብፂ ዝገለፀ ምክትል ፕረዚደንት'ታ ሃገር ኦማር ሱለይማን'ዩ።

ነዚ ምዕባለ ኣመልኪቶም ሪኢቶ ዝሃቡ ም/ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ልዑል ፍጻመ'ዩ ክብሉ ገሊፆምዎ።

XS
SM
MD
LG