ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግብፂ መሓመድ ሞርሲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዝበልዎ መንግስቲ ምጥያሽ ጀሚሮም

Egyptians celebrate the victory of Mohammed Morsi in Tahrir Square, Cairo, Egypt, Monday, June 25, 2012. The Muslim Brotherhood's Mohammed Morsi was declared the winner of Egypt's first free presidential election Sunday, and he proclaimed himself a leader

ፕሬዝዳንት ግብፂ ኮይኖም ዝተዓወቱ መሓመድ ሞርሲ ንኹሉ ዝሓቁፍ ዝበልዎ መንግስቲ ምጥያሽ ጀሚሮም።መሓመድ ሞርሲ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ዝተመረፁ ፈላማይ ስቪል ፕሬዝዳትን ክኾኑ እዮም።ብዙሓት ምኽትል ፕሬዝዳንታት ከምዝህልዎም’ውን ቃል ኣትዮም ኣለው።

እቶም እስላማዊ ፕሬዝዳንት ኣብ ቅድሚኦም ከበድቲ ፈተናታት ይፅብዩዎም።ኣብታ ሃገር ዝበፅሐ ስብራት ምሕዋይ ሓዊሱ ማለት እዩ።

ወታደራዊ ቤት ምኽሪ እታ ሃገር ንቑልፊ ስልጣን እቶም ፕሬዝዳንት ዝምንጥል ኣዋጅ ዝሓለፈ ሰሙን ምስኣውፅአ ብእስላማዊ ሕውነት ንዝዕብለል ፓርላማ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና መጀመሪያ ወርሒ በቲኑዎ።እስላማዊ ሕውነት ነቲ ስጉምቲ ኣይተቐብሎን።

እቲ ንነዊሕ ተፀቒጡ ዝፀንሐ እስላማዊ ጉጅለ ኣብቲ ንልዕሊ ዝሓለፉ 60 ዓመታት ዝፀንሐ ማእኸል ፖለቲካዊ ተዋስኦ እታ ሃገር ሓዱሽ ግደ ጀሚሩ’ሎ።

መሓመድ ሞሪስ ነታ ሃገር ትማሊ መደረ ኣስሚዖም ኣለው።ዓለም እውን ነዚ ርእይቶኣ ትህበሉ ኣላ።

ምሉእ ፀብፃብ ንምስማዕ ናብ ምልክት ድምፂ ብምኻድ ጠውቁ

XS
SM
MD
LG