ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ንግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ናይ ጥርዓን ደብዳበ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣቅሪባ


ግድብ ህዳሴ - ፋይል
ግድብ ህዳሴ - ፋይል

ግብጺ ንምምላእ ግድብ ህዳሴ ብዝምልከት ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ዘቕረበቶ ናይ ጥርዓን ደብዳበ “ ንህልውናኣን ንናይ ህዝባ ጥቕሚን ኣድላይ ስጉምቲ ኩሉ ንምውሳድ ድልውቲ’የ” ይብል።

ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ናይቲ ሓጽቢ ክልተ ተርባይናት ሓይሊ ኤሌትሪክ ምምንጫው ምጅማሩን ህንጸት’ቲ ሓጽቢ ምዝዛሙን ቕድሚ ሰሙን ድሕሪ ምግላጾም፡ ግብጺ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ “ናይ ሓደ ወገን ስጉምቲ” ዓለምለኸ ሕጊን ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ማለት ሱዳን፡ኢትዮጵያን ግብጺን ኣብ 2015 ንዝተበጽሐ ስምምዕ ዝጥሕስ’ዩ ክትብል ከሲሳ ።

ግብጺ ብሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ’ታ ሃገር ዶ/ር ባድር ኣብደላትይ ኣቢላ ናብ ባይቶ ጸጥታ ሕ/ሃ ዝጸሓፈቶ ደብዳበ “ፖሊሲ ኢትዮጵያ ንክልቲኣን እቲ ሩባ ዝፈሰሉ ታሕተዎት ሃገራት ከቢድ ሳዕቤን ዘለዎ’ዩ” ኢላ። ብተወሳኺ "እዚ ኢትዮጵያ ትወስዶ ዘላ ስጉምቲ ምስ ጎረባብታ ትፈጥሮ ዘላ ጸገም ዝፈጥር ኣካይዳ ዘመልክትን ነቲ ዞባ ናብ ዘይምርግጋእ ዘእትው'ዩ" ኢላ።

እቲ ደብዳበ ወሲኹ “ ግብጺ ህልውናኣን ናይ ህዝባ ድልየትን ጥቕሚን ንምኽባር ብሕቡራት ሃገራት ቻርተር ዝተቐመጡ ኩሎም ስጉምቲታት ንምውሳድ ድልውቲ’ያ” ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ግን ነቲ ምዕባለ ብፍላይ ንታሕተዎት ሃገራት'ቲ ሓጽቢ “ዝያዳ ፅቡቕ ብስራት” ክብሉ እዮም ገሊፆምዎ። ከምኡ’ውን ኢትዮጵያ ኣብ ዕብየት ቁጠባ ንዘለዋ መሰል ትጥቀመሉ ምህላዋ እያ ትሙጉት።

ኢትዮጵያ ንረብሓታት እተን ሰለስተ ሃገራት ማለት ንግብጺ ኢትዮጵያን ሱዳንን ዝምልከት "ሰላምን ውዕላትን ዘለዎ ስምምዕ ንምግባር ቃል ምእታዋ” ’ውን እያ ትገልፅ ።

ይኹንምበር ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ነቲ ግብፂ ናብ ሕቡራት ሃገራት ዝለኣኸቶ ደብዳበ ኣመልኪቱ ርእይቶ ክህበሉ ድምፂ ኣመሪካ ንዝቐረበሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃቡን።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG