ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ግብፂ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታት ኣል-ጀዚራ ማእሰርቲ ፈሪዱ


Minya, Egypt
Minya, Egypt
ሓደ ናይ ግብፂ ቤት ፍርዲ ንዝተኣገደ እስማላዊ ሕውነት ደጊፍኩምን ናይ ሓሶት ዜናታት ዘርጊሕኹምን ንዝበሎም ሰለስተ ጋዜጠኛታት ኣል-ጀዚራ ንሕድ ሕዶም ሸውዓተ ዓመት ማእሰርቲ ፈሪዱዎም።ድሮ ዓለምለኸ ውግዘት ይውሕዝ ኣሎ።

ሎማዕንቲ ሰኒ ዝተፈረዶም ጋዜጠኛታት ኣውስትራሊያዊ ፒተር ግረስት፣ግብፃዊ-ካናዳዊ መሓመድ ፋሕሚን ብኻሊእ ኽሲ ተወሳኺ ሰለስተ ዓመት ዝተፈረዶ ግብፃዊ ባሕር መሓመድን እዮም።
ኣብ ባግዳድ ዑደት ይፍፀሙ ዘለው ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ጆን ኬሪ እዚ ናይ ሎማዕንቲ ውሳነ ዘተሓሳስብ ፍርደ ገምድል ኢሎምዎ ኣለው።

ኣብ ሕቡራት መንግስታት ላዕለዋይ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ናቪ ፒለይ እቶም ጋዜጠኛታት ንኽፍትሑ ብምፅዋዕ ጋዜጠኛታት ኣብ ግብፂ ክፍረዶም ከይኮነስ ሓለዋ ክግበረሎም ይግባእ ኢለን።

ኣል-ጀዚራ ኣብ ልዕሊ ጋዜጠኛታቱ ዝቐረቡ ኽስታት ክነፅጎም ፀኒሑ’ሎ።ግዚያዊ ዋና ዳይረክተር ቴሌቪዥን ኣል-ጀዚራ መስጦፋ ሶውጋ እቲ ፍርዲ ኣብ ልዕሊ ነፃነት ፕረስ ዝተፈፀመ መጥቓዕቲ እዩ ኢሎምዎ ኣለው።

ምንስቴር ወፃኢ ኣውስትራሊያ ጁሊ ቢሾፕ እቲ ውሳነ ነፃነት ንምዕፋን ዝግበር ፈተነ ከይኸውን ዘለወን ስኽፍታ ብምግላፅ ግብፂ ናብ ዴሞክራሲ ይሰጋገር ኣለኹ ንእትብሎ ዝድግፍ ኣይኮነን ኢለን።

ቅድሚ እቲ ፍርዲ እውን ቀዳማይ ምንስቴር ኣውስትራሊያ ቶኒ ኣቦት ግረስት ንእስላማዊ ሕውነት ብምድጋፍ ከይኮነስ ንፍፃመታት እዩ ይፅብፅብ ነይሩ ክብሉ ንናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኤል-ሲሲ ሓቢሮምሎም ነይሮም።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣቐዲሙ ዘይተገልፀ ዑደት ዝፈፀሙ ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዩናይትድ ስቴትስ ጆን ኬሪ ምስ ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት ዓብደል ፋታሕ ኤሲሲ ትማሊ ሰንበት ተራኺቦም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ምርጫ ካብ ዝካየድ ምስ ሓድሽ ፕሬዝዳንት ግብፂ ብዝለዓለ ደረጃ ዝርርብ ንምክያድ ትማሊ ሰንበት እዮ ካይሮ ኣትዮም።
ሰበስልጣን ግብፂ ናይ ምዝራብን ብነፃነት ናይ ምእካብን መሰላት ንከኽብሩ ጆን ኬሪ ፀዊዖም ኣለው።

ዓብድል ፋታሕ ኤሲሲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ንእስላማዊ ሕውነትን መራሒኡ መሓመድ ሞርሲን ብምብራር ወታደራዊ ኣዛዚ እታ ሃገር ብምዃን ስልጣን ካብ ዝሕዙ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ብዝውሰድ ብርቱዕ ስጉምቲ ዩናይትድ ስቴትስ ስኽፍትኣ ክትገለፅ ፀኒሓ እያ።
ብዝተወስደ ስጉምቲ ኣማእቲ ተቐቲሎም ኣሽሓት ድማ ተኣሲሮም እዮም።
XS
SM
MD
LG