ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህውከት ግብፂ ሎሚ‘ውን ህይወት ሰባት በሊዑ


EGYPT ARMY
EGYPT ARMY
ኣብ ምስሪ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ዝኣወጆ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ዝካየድ ዘሎ ተቓውሞ ሎሚ ዓርቢ’ውን ቀጺሉ’ሎ። ካብታ ሃገር ዝተመሓላለፉ ጸብጻባት ከምዝሕብርዎ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ተቓወምቲ ክወስድዎ ብዝወዓሉ ናይ ምብታን ስጉምቲ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተቐትሉ ተሓቢሩ’ሎ።

ሓይልታት ጸጥታ ምስሪ - ሎሚ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቶም ተቓውሞ ከስምዑ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ንዝተኣከቡ ሰልፈኛታት ብፍላይ ኣብ ካይሮ ኣብ ዝርከብ ሜዳ ራምስስ ቶኽሲ ብምክፋት 32 ተቓወምቲ ከምዝቐተሉ ይሕበር ኣሎ። ካልኦት ጸብጻባት ግን ቁጽሪ ዝተቐትሉ ልዕሊ 40 ከምዝበጽሕ ኣፍሊጦም። ናይ ዓይኒ መሰኻኽር እቲ ቶኽሲ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰልፈኛታት ዝበራ ካብ ዝነበራ ሄሊኮፕተራት ከይተረ ከምዝተኸፍተ ገሊጾም።

ብመሰረት ሰልፊ እስላማዊ ሕውነት ምስሪ - ቁጥዐ ዓርቢ - ኢሉ ንሎሚ ድሕሪ ናይ ዓርቢ ስግዳን ዝጸውዖ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ - ካብ በበይኑ ቦታታት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ተቓወምቲ ካልኣይ መዓልቱ ሒዙ ንዘሎ ሰዓታት እቶ እቶ ብምጥሓስ ከምዝተሳተፍዎ ብተወሳኺ ተሓቢሩሎ።

ሰበ-ስልጣን ምስሪ - ነቲ ናይ ተቓውሞ መዓስከራት ብምብታን፡ ኣብታ ሃገር ህድኣት ክዓስል ክኽእል ኢሎም ዘውጽእዎ ሓድሽ ሕጊ-ማርሻል፡ ሰዓታት እቶ እቶ ከምዝኣወጁ ይፍለጥ። ብዘይካ’ዚ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ምስሪ - ኣባላት ጸጥታ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ጥይት ክትኩሱ ፍቓድ ምሃቡ ተጠቒሱ’ሎ። ኣባላት ሓይልታት ጸጥታ ኣገደስቲ ጎደናታት ብምዕጻው፡ታንክታትን ድሩዓት ወተሃደራውያን መካይንን ኣዋፊሮም ነይሮም። መንግስታዊት ተለቪዥን ምስሪ ድማ - ሃድን ኣብ ልዕሊ ኣባላት ግብረ-ሽበራ ይቕጽል ኣብ ዘለወሉ ህዝቢ ካብ ቤቱ ከይወጽእ ኣተሓሳሲባ።

ይኹን’ምበር፡እቶም ብሰልፊ እስላማዊ ሕውነት ዝተጸውዑን ንምምላስ ካብ ስልጣኑ ዝተኣልየ ፕረዚደንት መሓመድ ሞርሲ ዝጠልቡን ሰልፈኛታት - በዚ ሓድሽ ዝወጸ ሕግታት ከይተሰናበዱ ተቓውሞኦም ምግላጽ ቀጺሎም ኣለው።

ወኪል ቪኦኤ ኢሊዛበት ኣሮትነቲ ኩነታት ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ”እቲ እኩብ ተቓዋማይ ህዝቢ ክትርኢ ትጸንሕሞ- ገለ ድምጺ ምስ ሰምዐ ድማ ኩሉ ይብተን። እዚ ድማ መርኣያ ዝተቶኮሰሎም ጥይት ምዃኑ’ዩ። ዓይነት እቲ ዝተተኮሰ ብንጹር ክፍለጥ ኣይተኻእለን” ትብል።

ብተለቪዥን ዝተመሓላለፈ ምስልታት ከምዝሕብርዎ እቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ታንታ ዝተባህለት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል’ታ ሃገር ከይተረፈ ኣጋጢሙሎ።ኣብቲ ቦታ ኣብ ሞንጎ ሓይልታት ጸጥታ ምስርን እቶም ሰልፈኛታትን’ውን ጎንጺ ተራእዩ።
ብሓፈሻ በቲ ኣብታ ሃገር ዝተፈጥረ ሓድሽ ዕግርግር - ቁጽሪ ዝተቐትሉ 638 ከምዝበጽሐ መንግስታዊ ጸብጻብ ይሕብር። ሰልፊ እስላማዊ ሕውነት ግን እቲ ኣሃዝ ብኣሽሓት ከምዝኾነ ይገልጽ።

ኣብ ኣህጉራዊ ዲፕሎማስያዊ መዳይ - ኩነታት ምስሪ ኣሻቓሊ ኮይኑ’ሎ። ፕረዚደንት ፈረንሳ ፍራንኮይስ ሆላንድ ከምኡ’ውን ቻንስለር ጀርመን ኣንጌላ መርከል ንጉዳይ ምስሪ ብዝምልከት ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ኣኼባ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ኤውሮጳዊ ሕብረት ጸዊዖም ኣለው። ብዘይካ’ዚ፡ እቶም መራሕቲ ሃገራት እቲ ኣብ ምስሪ ዝርአ ዘሎ ዕግርግር ብህጹጽ ከብቅዕ መጸዋዕታ ኣቕሪቦም።
XS
SM
MD
LG