ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግብጺ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ 38 ሰባት ቆሲሎም


ኣብ ግብፂ ከተማ ኢስማዒሊያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ
ኣብ ግብፂ ከተማ ኢስማዒሊያ ዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ

ኣብ ግብፂ ከተማ ኢስማዒሊያ ሎሚ ሰኑይ 2 ጥቅምቲ 2023 ንግሆ ብዘጋጠመ ባርዕ ሓዊ ብውሑዱ 38 ሰባት ከምዝቑሰሉ ሰራሕተኛታት ህፁፅ ሓገዝን ፀብፃባት ዝተፈላለያ መሓውራት ዜና ኣፍሊጦም።

ናይታ ከተማ ቤት ፅሕፈት ፀጥታ ብሃልሃልታ ሓዊ ተዋሒጡ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያታት ዝወፁ ናይ ቪዲዮ ምስልታት ይሕብሩ ። ጠንቂ'ቲ ባርዕ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈለጠን። ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ድሕሪ ሰለስተ ስዓታት ነቲ ባርዕ ከምዝተቖፃፀሩዎ መንግስታዊ ቴሌቪዥን ፀብፂባ።

ገለ ኽፋል ናይቲ ህንፃ በቲ ባርዕ ከምዝዓነወ'ውን ተፈሊጡ ኣሎ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG