ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕሬዝዳንት ግብፂ መሓመድ ሞርሲ ብዛዕባ ግድብ ህዳሴ መደረ ኣስሚዖም


Mideast Egypt
Mideast Egypt

`ኩሉ ኣማራጺታት ክፉት ኢዩ` ኢሎም ፕረሲደንት ግብጺ፡ ምሉእ ጸብጻብ ኣብ ናይ ሎሚ ዜና ክቐርብ`ዩ

ናይ ግብፂ ፕሬዝዳንት መሓመድ ሞርሲ ብህፁፅ ኣብ ዝተፀውዐ ሃገራዊ ኮንፈረንስ ብዛዕባ ፕሮጀክት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ሎማዕንቲ ሰኒ ምሸት መደረ ከምዘስምዑ ኣገልግሎታት ዜና ግብፂ ኣፍሊጠን። ነቲ ኮንፈረንስ ምስ ናይ ሞርሲ ፓርቲ እስላማዊ ሕውነት ርክብ ዘለዎ ምንቅስቓስ ንነፃነትን ፍትሕን እዩ ኣዋዲዱዎ።

ናይታ ሃገር ቀዳማይ ምንስቴር ሓሻም ካንዲል እቲ ናይ ግድብ ፕሮጀክት ብኢትዮጵያ ዝተፈፀመ ተግባር እምቢተኝነት እዩ ክብሉ ሎማዕንቲ ሰኒ ተዛሪቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ናይ ጥሪ 25 ናይ ግብፂ ህዝባዊ ምንቅስቓስን እቲ ፖለቲካዊ ቅልውላው ቅድሚ ምህድኡን ፕሮጀክት ‘’X’’ ብዝብል ስም ኣብ 2011 ኣ/ፈ በይኑ ጀሚሩዎ ኢሎም።

ምንስቴር ወፃኢ ግብፂ መሓመድ ከማል ኣሚር ‘’ናይል እንድሕር ዘይሎ ግብፂ ኣይክትህልን እያ’’ ክብሉ ትማሊ ሰንበት ሪኢቶ ድሕሪ ምሃቦ እዩ እዚ ዝኸውን ዘሎ።ኣሚር ንመንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና እታ ሃገር ኣብዝሃብዎ መግለፂ ሃገሮም ብዘይካ ናይቲ ሩባ ማይ ክትነብር ዘይትኽእል ምድረ በዳ ስለዝኾነት ግብፂ ዋላ ሓንቲ ጠብታ ማይ ካብ ናይል ኣይክትህብን እያ ኢሎም።

ግብፂ ብዛዕባ ክትወስዶ እትኽእል ስጉምቲ ተሓቲቶም መልሲ ካብ ምሃብ ዝተቖጠቡ ኣሚር ጋዜጣዊ መግለፂ ምሃቦም ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ፀብፂባ።ሰበስልጣን ኢትዮጵያ እቲ ግዙፍ ናይ ሃይድሮ ኤለክትሪክ ፕሮጀክት ግብፂ ትጥቀሞ ናይ ዘላ ማይ ኣይንክን ኢሎም መረጋገፂ ከምዝሃብዎም ንቶም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብምጥቃስ ሮይተርስ ሓቢሩ።

ኢትዮጵያ ነቲ ትሃንፆ ዘላ ግድብ ዝኸውን ማይ ኣብ መዕቖሪ ኣብ እትመልአሉ እዋን 20 ሚእታዊ ታሕተዋይ ጫፍ እቲ ሩባ ከምዝንኪ ብርክት ዝበሉ ክኢልታት ይገልፁ።
እቶም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ንምዝርራብ ኣብ ቀረባ ናብ ኣዲስ ኣበባ ከምዝገሹ ገሊፆም ኣለው።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ህንፀት እቲ ግድብ ንድርድር ኣይቐርብን ኢሎም ኣለው።ምንስቴር ወፃኢ ኢትዮጵያ እቲ ህንፀት ጠጠው ንኽብል ሰበስልጣን ግብፂ ብቴሌቪዥን ንዘቕረብዎ ፃውዒት መብርሂ ንምሕታት ንናይ ግብፂ ኣምባሳደር ፀዊዑ ኣዘራሪቡ’ሎ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ኣብ ግብፂ ካይሮ ዝርከቡ ኢትዮጵያዊያን ኣባላት ብሄረሰብ ኦሮሞ ሓለዋ ይገበረልና ክብሉ ካይሮ ኣብዝርከብ ፊት ንፊት ቤት ፅሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕቡራት መንግስታት /UNHCR/ ትማሊ ሰንበትን ሎማዕንቲ ሰንን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
ኢትዮጵያ ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ንምህናፅ ንሩባ ኣባይ ምቕልባሳ ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግብፂ ዝነብሩ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት መጥቓዕቲ ምፍፃሙ ፀብፃባት ይገልፁ።
Listen to the Report
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:44 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG