ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዋይ ልኡኽ ግብፂ ምስ ሰበስልጣን ኢትዮጵያ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክዘራረብ ውዒሉ


The construction of the dam in Asosa region Ethiopia, Apr. 2, 2013. Ethiopia started to divert the flow of the Blue Nile river to construct a giant dam, according to its state media, in a move that could impact the Nile-dependent Egypt.
The construction of the dam in Asosa region Ethiopia, Apr. 2, 2013. Ethiopia started to divert the flow of the Blue Nile river to construct a giant dam, according to its state media, in a move that could impact the Nile-dependent Egypt.
ብምኽንያት ማይ ሩባ ናይል ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ግብፅን ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ ሓደ ላዕለዋይ ልኡኽ ግብፂ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይርከብ።

እቲ ብምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ግብፂ መሓመድ ከማል ኣሚር ዝምራሕ ጉጅለ ሎማዕንቲ ሰኒ ብመዘንኦም ምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኢትዮጵያ ዶ/ር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ዝምራሕ ጉጅለ ተራኺቡ ተዛራሪቡ።ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣቶ ዲና ሙፍቲ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃብዎ ቃል ክልቲኦም ምንስቴራት ምሉእ ማዕልቲ ኣብ ስዓት ምሳሕ ከይተረፈ እናተዘራረቡ ውዒሎም ኣለው ኢሎም።

ዶ/ር ቴድሮስ ህንፀት ዓብዪ ግድብ ህዳሴ ብዝኾነ ይኹን መልክዑ ንግብፂ ከምዘይጎድኣ ንቶም ልኡኻት ክንፅሩሎም እዮም ኢሎም ኣቶ ዲና።

መንግስታዊ ኣገልግሎት ዜና ግብፂ ክልቲአን ሃገራት ዝተፈጠረ ሽግር ንምፍታሕ ፖለቲካውን ቴክኒካውን ኽትትል ክግበር ተሰማሚዐን ክትብ ፀብፂባ።እቲ ዝርርብ ግልፅን ሃናፅን ነይሩ ምባሎም ንምንስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣሚር ብምጥቓስ እታ ኣገልግሎት ዜና ወሲኻ ሓቢራ።

ብመንግስቲ ግብፂ እትውነን ጋዜጣ ኣል-ኣሕራም እውን ዕላማ ልኡኽ ግብፃዊያን ኣብ መንጎ ግብፂ፣ሱዳንን ኢትዮጵያን ድርድር ንምጅማር እዩ ክትብል ገሊፃቶ’ላ።ታሕተዎት ሃገራት ተፋሰስ ናይል ንምንባር ዘኽእለን ማይ ክረኽባ እንተኾይነን ዘረጋግፅ ተወሳኺ መፅናዕትን ሓበሬታን ክተቕርብ ግብፂ ንኢትዮጵያ ትሓትት ኣላ ይብል እቲ ፀብፃብ።

ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዝተጎሃሀረ እቲ 4.3 ቢሊዮን ዶላር ዝዋግኡ ፕሮጀክት ሃይድሮኤሌክትሪክ ንምህናፅ ኢትዮጵያ ንማይ ሩባ ኣባይ ምቕልባስ ምጅማራ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ኣፍለጠት ነይሩ።ግብፂ እቲ ምቕልባስን እቲ ናይ ግድብ ፕሮጀክትን ንቀረብ ማያ ከምዘይስግእ ምሉእ መረጋገፂ ኣይተውሃበንን ክትብል ነቲ ስጉምቲ ብቑጥዐ ነይራ ዝመለሰት።
ግብፂ ዳርጋ ምሉእ ናይ ማይ ቀረባ ኣብ ናይል ዝተሞርከዘ እዩ።85 ሚእታዊ ማይ ናይል ካብ ኢትዮጵያ ይፍልፍል።
XS
SM
MD
LG