ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ካቢነ ግብፂ ንጉዳይ ግድብ ኣባይ ክዘራረብ ሎሚ ተኣኪቡ


ETHIOPIA DAM
ETHIOPIA DAM
ካቢነ ግብፂ፣ነቲ ኢትዮዽያ ንሩባ ኣባይ ኣንፈቱ ቀልቢሰዮ ክትብል ዘውፀአቶ መግለፂ ንክዘራረብ ሎሚ ተኣኪቡ።

ካቢነ ግብፂ ነቲ ኣኼባ ዘካየደ፣ድሕሪ ኢትዮዽያ ንህንፀት 5 ቢልዮን ዶላር ዝዋግኡ ግድብ ንምስራሕ ዘኽእል ምዕራፍ በፂሕና‘ለና ዝብል መግለፂ ብሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ ድሕሪ ምቅልሑ‘ዩ።ግድብ ኣባይ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ግድብ ሃይድሮ-ኤሌክትሪክ ክኸውን‘ዩ።ድሕሪ ኣርባዕተ ዓመት ክዛዘም እዩ ዝብል ተስፋ‘ውን ኣሎ።

ኣምባሳዳር ግብፂ ኣብ ኢትዮዽያ መሓመድ እድሪስ ንቪኦኤ ከምዝገለፅዎ፣ ሃገሮም በቲ ቅልበሳ ዋሕዚ ኣባይ ዘይተፀበየቶ ነገር ኣይኮነን ኢሎም። እንተኾነ፣እቲ ሓደ ወገናዊ መግለፂ ህውኹን፣እቲ ብኪኢላታት ግብፂ፣ሱዳንን ኢትዮዽያን ብዛዕባ ፅልዋ‘ቲ ግድብ ዝተዳለወ ሪፖርት ቅድሚ ምውፅኡ‘ዩ ኮይኑ ይብሉ።

”ቴክኒካዊ ጉዳያት‘ዮም።ፍርዲ ምሃብ‘ውን ኣይካኣልን።ስለዝኾነ‘ዩ ሰለስቲኤን ሃገራት ዓለም-ለኸ ብቅዓትን ፍልጠትን ዘለዎም ፍሉጣት ኣባላት ዝሓዘ ቴክኒካዊ ኮሚቴ ዘቆማ።እታ ኮሚቴ፣እቲ ግድብ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብፅን ዘስዕቦ ፅልዋ ኣሎ እንተኾይኑ ዝሕብር ሳይንሳዊ ሪኢቶ ክትህብ ተቀራሪባ‘ያ ዘላ።ብመሰረት‘ቲ ዝቀርብ ሪፖርት፣ሰለስቲኤን ሃገራት ከመይ ክቅፅላ ከምዝግበአን ክውስና‘የን” ኢሎም ንሶም።

ሰበ-ስልጣን ኢትዮዽያ ግና ኣብ‘ዚ ሰሙን ንታሕተዎት ሃገራት ግብፅን ሱዳንን ማለት‘ዩ ኣብ ዝሃብዎ መረጋገፂ፣ምቅልባስ ኣንፈት‘ቲ ማይ ማለት ዋላ-ሓንቲ ዘስዕቦ ፀገም የለን።ንዞባ ጠለብ ሓይሊ ድማ ከማሓይሾ‘ዩ ኢሎም።ኣምባሳደር እድሪስ ግና፣ግብፂ ኣብ ማይ ኣባይ ሙሉእ ንሙሉእ ምስ ምትእምማና ተኣሳሲሩ፣ዋሕዚ‘ቲ ማይ ዕንቅፋት እንተገጢሙዎ፣ጉዳይ ሃገራዊ ፀጥታ ኮይኑ‘ሎ ማለት‘ዩ ኢሎም።
ኣዳምጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:22 0:00
መራገፊ
XS
SM
MD
LG