ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረ. ግብጺን ቀ/ሚ ኢትዮጵያን ተራኺቦም፡ ኣብ ክልተኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ዘትዮም


ግብጺ ኣብ ዘኣንገደቶ ዘተ-ሰላም ጎረባብቲ ሱዳን ዝተረኽበ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ግብጻዊ መዛናኡ ፕረዚደትን ዓብደልፈታሕ ኣልሲሲ ተራኺቡ ከም ዝዘተየ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ሓቢሩ። ንቐዳማይ ሚኒስተር ናብ ቤተ መንግስቲ ካይሮ ዕድመ ዝገበረ ፕረዚደንት ኣልሲሲ፡ ኣብቲ ሎሚ ሓሙስ ንኻልኣይ መዓልቱ ዝቐጸለ ጎድናኣዊ ዝርርብ ክልተ መራሕቲ ሃገራት ንዓቢ ሓጽቢ ሕዳሰ ኣመልኪቶም ናይ ዘተ መቓን ክቐምጡን ኣብቲ ጉዳይ ድማ ሰለስቲኣን ሃገራት ግብጺ፡ ኢትዮጵያ ሱዳንን ክሳተፋን ምስምማዖም ሮይተርስ ገሊጹ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ዝወጽአ መግለጺ ከም ዝሕብሮ፡ ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ውሽጢ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብቲ ጉዳይ ኣብ ሓደ መዕለቢ ክበጽሑ ምስምማዖም ሮይተርስ ኣፍሊጡ። ኣብቲ ሓባራዊ መግለጺ ከም ዝተጠቕሰ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ንሓጽቢ ሕዳሴ ኣብ እትመልኣሉ፡ ንጎረባብቲ ሃገራት ግብጺን ሱዳንን ኣብ ቀረብ ማይ ከም ዘይሃሲ ገይራ ክትመልእን ኣብ ግምት ከተእቱን መራሕቲ ክልተ ሃገራት ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀረባ ግዜ ንምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣብ ዝገለጸትሉ፡ ካብ ግብጺ ተሪር ግብረ-መልሲ ምቕባላ ዝዝከር’ዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG