ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብፃዊያን ድምፆም ክህቡ ውዒሎም


ገሊኦም ኣድመፅቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክካየዱ ካብዝፀንሑ ምርጫታት ብዝተፈለየ ድምፆም ንኽስማዕ ዘለዎም ተስፋ ዝለዓለ እዩ።

ግብፃዊያን ኣብታ ሃገር መንግስታዊ ለውጢ ካብዝግበር ንድሓር ፈለማይ ኣብ ዝኾነ ፓርላመንታዊ ምርጫ ድምፆም ንምሃብ ንሰዓታት ሪጋ ሒዞም ከምዝወዓሉ ተፈሊጡ።ቀረብ ናውቲ ትሑት እንተነበረ’ውን ኣድመፅቲ ድምፆም ንኽስማዕ ዝደልዩ ይመስሉ።

ኣብ ካይሮ ኣብዝርከብ መውሃቢ ድምፂ ከድምፅ ብዝመፀ ነዊሕ ሪጋ ህዝቢ ተመሊኡ ይርአ።ገሊኦም ኣድመፅቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክካየዱ ካብዝፀንሑ ምርጫታት ብዝተፈለየ ድምፆም ንኽስማዕ ዘለዎም ተስፋ ዝለዓለ እዩ።

ተምሃሪት ፋራህ ጨጉራ ከይሸፈነት ኣብ መንጎ ጨጉረን ዝተሸፈና ደቂ ኣንስትዮ ንኹሎም ግብፃዊያን ሰናይ መፃኢ ግዜ ንክኾነሎም ንምርግጋፅ ድምፃ ንምሃብ ከምዝመፀት ትዛረብ።ንሳ ከምፍቓድ ፈጣሪ ኮይኑ ድምፀይ ብርግፀኝነት ክስማዕ እዩ ትብል።እቲ ምሃብ ድምፂ ኣብ መብዛሕቲኡ ካይሮ ሰላማዊ እዩ ነይሩ።

ናይቲ ንኽልተ ተኸታተልቲ ማዕልታት ዝወሃብ ድምፂ እቲ ፈላማይ ድምፂ ክካየደላ ዝወዓለ ኣብ ኣለግዛንደሪያ እውን መረፅቲ ከድምፁ ውዕሊሎም ኣለው።ወሃቢ ቃል ፓርቲ ነፃነትን ፍትሕን እስላማዊ ሕውነት ንቪኦኤ ኣብዝሃብዎ ቃል ሰራዊት ግብፂ ኣብ ድምፂ መውሀቢ ከባቢታ ኩነታት ፀጥታ ኣብ ምርግጋእ ዘደንቕ እዩ ዝብለዎ ምትሕብባር እናገበሩ ምዃኖም ተዛሪቦም።

ፓርቲ ነፃነትን ፍትሕን ከምኡ’ውን እቲ ኣኽራሪ ዝኾነ ሳላፊስ ኣል-ኑር ዝተባሃለ ኣኽራሪ ፓርቲ ክልቲኦም እስላማዊያን ኣብዚ ምርጫ እዚ ፅቡቕ ድምፂ ንምርካብ ተስፋ ይገብሩ።

ማርዋ ሞሓመድ ድምፃ ንሳላፊስ ንምሃብ ኣብ ካይሮ ኣብዝርከብ መውሀቢ ድምፂ ትርከብ። ማርዋ እቲ ፓርቲ ንዕኣ ከምዝውክላ ትዛረብ።መፃኢ ድልየተይ ዘማልእ እዩ ትብል ብምቕፃል።

ካሊእቲ ናይ ስኒ ሓኪም ዝኾነት መደመፂት ድማ ንመብዛሕቲኡ ዝውክል መንግስቲ ንኽህሊ ተስፋ ትገብር።እታ ሜሪየም ዝተብሃለት ወሃቢት ድምፂ እዚ ህዝባዊ ተሳትፎ ንክቕፅል ተስፋ ትገብር።ንሳ ከምዚ ትብል ‘’ ከመይ ከምዝኸይድ ርግፀኛ ኣይኮንኩን።ደቅና ዝበለፀት ግብፂ ንኽሪኡ፡ብዙሕ ምንቅስቓስ ዝገብሩ ሰባት ዝርከቡሉ ሕብረተሰብን ከምቲ ቅድሚ ሕዚ ዝነበረ ከይኮነስ ብዙሕ ዝተምሃረ ማሕበርሰብን ንኽህሊ እዩ ናተይ ሕልሚ።’’ትብል።

እቲ ፈላማይ ዙር ምሃብ ድምፂ ፅባሕ ሰሉስ ክዛዘም እዩ።ድሕሪ ክልተ ሰሙን ዳግማይ ምርጫ ንኽግበር ተወሲኑ’ሎ።ካልኦት ክፍለግዝኣታት እታ ሃገር ዝቕፅል ወርሒ ድምፂ ምሃብ ክጅምሩ እዮም።

XS
SM
MD
LG