ዋሽንግተን —
ሓደ ተቓዋሚ ጥምረት ግብጺ ንመስርሕ ምዝገባ ፕረዚደንታዊ ምርጫ`ታ ሃገር ይቃወም። ፕረዚደንት ዓቃባዊ ሰልፊ ግብጺ ኣኽማል ቆርታም ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንኣድመጽቲ ኣብ ምቕባልን ምንጻግን ዘሎ መስርሕ ንሕጊ ዝጠሓሰ`ዩ ኢሉ`ሎ። ከምኡ`ውን ደገፍቲ እቲ መራሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ዝኾኑ ይእሰሩ ኣለዉ ክብል ከሲሱ`ሎ።
ግብጺ ንዝመጽእ ወርሒ ታሕሳስ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ከምተኻይድ ተገሊጹ'ሎ፡ እንተኾነ ፕረዚደንት ዓብደልፈታሕ ኣል-ሲሲ ብገፊሕ ስዒሩ ኣብ ስልጣን ከም ዝቕጽል ይግመት'ሎ።
ብርክት ዝበሉ ተቓወምቲ ንውድድር ቀሪቦም ኣለዉ፡ ግን ንኣል-ሲሲ ከቢድ ብድሆ ኮይኑ ዝቐረበ ሕጹይ ዘሎ ኣይመስልን።
ኣቦ-መንበር ሰልፊ ልምዓትን ለውጥን መሓመድ ኣንዋር ኤስማት ሳዳት፡ እቲ መስርሕ ምርጫ ብግቡእ እንተዘይተኻይዱ ኣብ መጻኢ ዕድላት`ቲ ስርዓት ከቢድ ሳዕቤን ክወልድ`ዩ ክብል ኣጠንቂቑ`ሎ።
ብፕረዚደንት ኣል-ሲሲ ዝሓለፈ ዓመት ዝቖመ ቦርድ ሃገራዊ መድረኽ ዘተ፡ ብዙሓት ተወዳደርቲ ዝሳተፍሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክጣጣሕ ጸዊዑ ምንባሩ ይዝከር።
ቅጥዒ