ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህዝቢ ግብፂ ንውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሎሚ'ውን ይፅበ'ሎ


ክልቲኦም ሕፁያት ኣነ'የ ተዓዊተ ባሃልቲ ኮይኖም ኣለው

ህዝቢ ግብፂ ንውፅኢት ኣሳሓሓቢን ፈላማይ ናፃ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ይፅበዩ‘ለው።እቲ መወዳእታ ዘይብሉ ትፅቢት፣ተወሳኺ ውጥረት ፈጢሩ‘ሎ ትብል ናይ ካይሮ ኣቀባሊትና ኤልሳቤጥ ኣሮት።

ደገፍቲ ሕፁይ ሙስሊማዊ ሕውነት፣ንናይ‘ታ ሃገር ፖለቲካዊ ቅልውላው ቅልጡፍ ፍታሕ ይወሃበና ኢሎም ሰፊሕ ናይ ተቃውሞ ሰልፊ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ከምዘካይዱ ኣጠንቂቆም‘ለው።

ሰበ-ስልጣን ምርጫ ግብፂ፣ብሕፁያት ንዝቀረቡሉ ብርክት ዝበሉ መረረታት የፃርዮ ኣለኹ ኢሉ፣ነቲ ሎሚ ሓሙስ ክገልፆ ዝነበረ ውፅኢት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ኣናዊሕዎ‘ሎ።

ክልቲኦም ሕፁያት ኣነ‘የ ተዓዊተ ባሃልቲ‘ዮም።ካብ ተዓዘብቲ ኣብ እዋን ምርጫ ዝተወሃበ ግምት ግና፣ሚስተር ሙርሲ ክዕወቱ‘ዮም ዝብል ነይሩ።

ወሃቢ-ቃል ቀ/ሚ ዝነበሩ ሚስተር ሻፊቅ ንሪፖርተራት ክዛረቡ ከለው፣ ወኪሎም ንውፅኢት‘ቲ ምርጫ ክቅበሉ‘ዮም ኢሉ።

ውፅኢት ምርጫ፣ሓደ ካብ‘ቶም ፖለቲካዊ ደውታታት‘ዮ።ወትሃደራዊ መራሕቲ ግብፂ፣ንገለ ክፋል ሕጊ ማርሻል ኣተኣታትዮም‘ለው።ንፓርላማ ግብፂ ኣፍሪሱ፣ንገለ ፕረዚደንታዊ ስልጣን ናብ ኢዱ ኣእትዮ‘ሎ።ወትሃደራዊ ምምሕዳር ነዚ ስጉምቲ‘ዚ ዝወሰደ፣ኩሉ ስልጣን ናብ ብህዝቢ ዝተመርፀ ሲቪላዊ ምምሕዳር ኣብ ውሽጢ ሓፂር ጊዜ ከርክብ‘የ ድሕሪ ምባሉ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት‘ዩ።

ኣብ ግብፂ ተወሳኺ ውጥረት ይፈጥር ዘሎ ካልእ ፀገም ኩነታት ጥዕና ናይ ቀደም ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ምብልሻው‘ዩ።ንሕልፈት ክእሰሩ ብቤት ፍርዲ ዝተበየኖም ሚስተር ሙባረክ፣ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ናብ ወትሃደራዊ ሆስፒታል ተወሲዶም‘ለው።

ገለ ተንተንቲ ግና፣ንሚስተር ሙባረክ ናብ‘ቲ ሆስፒታል ምውሳድ ኣገዳሲ ኣይነበረን፣ምስጢሩ ምናልባሽ ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምውፃእ ድልየት ኣሎ እንተዘይኮይኑ’ምበር ይብሉ።

XS
SM
MD
LG