ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተቓውሞ ግብፃውያን ቀፂሉ ዊዒሉ


ተቓወምቲን ሰራዊትን ኣብ ግብፂ
(AP Photo/Ahmed Ali)
ተቓወምቲን ሰራዊትን ኣብ ግብፂ (AP Photo/Ahmed Ali)

ሑስኒ ሙባረክ ግና ጊዜ ፕረዚደንተይ ክፍፅም'የ ይብሉ

ዓሰርተታት ኣሻሓት ግብፃውያን ኣብ ካይሮ ኣደባባይ ሓርነት (ታሕሪር) ናይ ተቃውሞ ድምፂ እናቃልሑ ውዒሎም።ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ብህፁፅ ካብ ስልጣን ንክወርዱ‘ውን ፀዊዖም።ምስ ኣሜሪካዊት ጋዜጠኛ ክርስትያን ኣማንፑር ቃለ-ምልልስ ዝገበሩ ሚስተር ሙባረክ ግና፣ ስልጣን ዘረክብ ጊዜ ፕረዚደንትነተይ ምስ ኣብቀዐ‘ዩ ኢሎም።

ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ኣብ‘ዚ ሰሙን‘ዚ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፣ዕድመ ስልጣኖም ክፍፅሞ‘የ ድሕሪ ምባሎም‘ውን እንተኾነ ተቃወምቲ ነቲ ሎሚ ዓርቢ ዝፀውዕዎ ሰልፊ፣ንፕረዚደንት ”መዓልቲ ንቅሎ” ይኹነሉ ኢሎም ይገልፅዎ።ከም‘ቲ ቅድሚ ሎሚ ኣብ ሞንጎ ደገፍቲን ተቃወምቲን ፕረዚደንት ዝተፈጥረ ግጭት ግና ኣይተራኣየን።

ናይ ሎሚ ሰልፊ ተቃውሞ ኣብ ኣደባባይ ሓርነት ንዋና ፀሓፊ ሊግ ዓረብ ኣምር ሙሳ‘ውን ዘተኣናኣደ ኮይኑ ሓሊፉ‘ሎ።ሚስተር ኣምር ሙሳ ኣብ ሓደ እዋን ምንስቲር ወፃኢ ግብፂ ከምዝነበሩ ዝዝከር‘ዩ።ንሶም ምናልባት ንፕረዚደንት ክወዳደር ይኸውን‘የ ከምዝበሉ ጠቂሳ‘ላ ሬድዮ ፈረንሳ።

ሒደት ደገፍቲ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ ኣብ ገለ ኩርናዕ ካይሮ ተራእዮም ነይሮም።ናብ ኣደባባይ ታሕሪር ንከይኣትው ግና ብፖሊስ ተኣጊዶም‘ለው።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምንስቲር ምክልኻል ግብፂ፣እቲ ናዕቢ ካብ ዝጅመር ንፈለማ ጊዜ ሎሚ ኣብ ኣደባባይ ታሕሪር ዑደት ከምዝገበሩ እቲ ዜና ይሕብር።

ስሙ ክጥቀሰሉ ዘይደለየ ተቃዋማይ ክዛረብ ከሎ፣ምንስቲር መከላኸሊ ግብፂ ማርሻል ታንታዊ፣ናብ ህዝቢ ቀሪቡ እቲ ዝግበር ዘሎ ፀረ-ግብፂ’ዩ ኢሉ ክነግርና ፈቲኑ ነይሩ።ንሕና ግና እዚ ሑስኒ ሙባረክ ዝባሃል ውልቀ-ሰብ ክባረር ኣለዎ ኢልናዮ።ካብኡ ዝሓለፈ ንቅበሎ ነገር የለን‘ዩ በለ።

ፕረዚደንት ሙባረክ ኣብ‘ዚ ቅነ‘ዚ ኣብ ዝሃብዎ መደረ፣ንካልእ ዙር ውድድር ሕፁይ ኮይኖም ከምዘይቀርቡ ገሊፆም‘ዮም።ትማሊ ሓሙስ ምስ ABC ቴሌቭዥን ኣሜሪካ ኣብ ዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ፣ስልጣን ሎሚ ከረክብ ድልየተይ‘ዩ፣ግን እንተወሪደ ግብፂ ናብ ህውከት ክትኣቱ‘ያ ኢሎም‘ለው። ንሶም ንግብፂ ንዝሓለፉ ሰላሳ ዓመታት ከምዝገዝኡ ይዝከር።

ቀ/ሚ ግብፂ ኣሕመድ ሻፊቅ፣ነቲ ዝተፈጥረ ግጭት ይቅሬታ ብምሕታት፣ እቲ ህውከት ጥፍኣት‘ዩ ኢሎም ገሊፆምዎ፣ካልኣይ ኣይድገምን‘ውን ኢሎም ቃል ኣትዮም።

እቶም ፕረዚደንት ምስ ABC ትካል ቴሌቭዥን ንዘካየድዎ ቃለ-ምልልስ ኣማእኪላ ሪኢቶ ዝሃበት ጋዜጠኛ ክርስትያን ኣማንፑር፣ስልጣን ክተርክቡ ዲኹም ኢለ ሓቲተዮም።ዝሃቡኒ መልሲ - እወ መዓልቱ ምስ ኣኸለ ዝብል‘ዩ።ሎሚ ስልጣን እንተረኪበ ግና፣ንከርክብ ድልየተት‘ኳ እንተኾነ፣ ዕግርግር ክዓስል‘ዩ።ሙስሊማዊ ሕውነት ስልጣን ክሕዝ‘ዩ ዝብል ገምጋም ኣለኒ ባሃላይ‘ዮም ትብል።

እቶም ፕረዚደንት ክዛረቡ ከለው፣ኣብ‘ዚ ቅንያት‘ዚ ኣብ መላእ ግብፂ ይካየድ ንዘሎ ህውከት ዝሕተተሉ እቲ ኣዝዩ ዝተወደበን ሙስሊማዊ ሕውነትን ተባሂሉ ዝፅዋዕን ተቃዋማይ ፓርቲ‘ዩ ኢሎም ከሰሱ።ተቃወምቲ ግና እቲ ህውከት ዝተወለዐ ብጠንቂ ደገፍቲ ሙባረክ ዝጀመርዎ ጥቅዓት‘ዩ ባሃልቲ‘ዮም።

ኣብ ኣደባባይ ሓርነት ኣብ ዝተካየደ ምጥፋእ ደገፍቲን ተቃወምቲን ፕረዚደንት ሙባረክ፣፰ ሰባት ሞይቶም ኣስታት ፱ ሚእቲ ድማ ቆሲሎም‘ዮም ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ፪ መዓልታት ጥራሕ።

እዚ ከምዚ‘ሉ ከሎ፣ምምሕዳር ኦባማ ናይ ግብፂ ፕረዚደንት ሑስኒ ሙባረክ፣ቀልጢፎም ስልጣን ንከረክቡ፣ምክትል ፕረዚደንት ኦማር ሱሌማን ብደገፍ ሰራዊት ግብፂ መሰጋገሪ መንግስቲ ንክምስርቱ ዝብል ሓሳብ ምስ ሰበ-ስልጣን ግብፂ ይዘራረበሉ ከምዘሎ ተገሊፁ።

ሓደ ባዓል-ስልጣን ምንስቲር ወፃኢ ኣሜሪካ ክዛረቡ ከለው፣ሙባረክ ወሪዶም ኣብ ወሽመጥ ሲና ናብ ዝርከብ ሻርም ኣል-ሸክ ክሰፍሩ ዝብል ውጥን ኣሎ ኢሎም።ሙባረክ ግና፣ካብ ስደት ኣብ መርየት ግብፂ ሞተይ እየ ዝመርፅ ከምዝበሉ እቲ ዜና ይሕብር።



XS
SM
MD
LG