ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ግብፂ ወትሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ተፈፂሙ


ግብፃዊ ጀነራል
ግብፃዊ ጀነራል
ንመግለፂ ሰራዊት‘ታ ሃገር ብቴሌቭዥን ዘስምዑ ወትሃደራዊ ጀነራል፣ክሳብ ነባራይ ፍታሕ ዝግበረሉ፣ፕረዚደንታዊ ስልጣን ኣብ ኢድ ፕረዚደንት ሕገ-መንግስታዊ ቤት ፍርዲ‘ታ ሃገር ከምዝኣቱ ኣፍሊጡ።

ድሕሪ‘ቲ ወትሃደራዊ መግለፂ፣ደገፍቲ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ቁጠዐዖም ክገልፁ ከለው፣ተቃወምቶም ድማ ርችት ይትኩሱ‘ለው።

ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ ንፖለቲካዊ ቅልውላው ግብፂ ኣብ ውሽጢ 48 ሰዓታት ንከድቅሱ ንዝተሃዋቦም ዕድል ኣይተጠቀሙሉን።

እቲ ደረት ጊዜ ረቡዕ ኣጋምሸት ብኣቆፃፅራ ግብፂ ቅድሚ ምሕላፉ መግለፁ ዝሃቡ ፕረዚደንት መሓመድ ሙርሲ፣ካብ‘ቲ ቅልውላው ንምውፃእ ሓጋዚ‘ዩ ዝበልዎም ክልተ ነጥቢታት ዝሓቆፈ እማመ ኣቅሪቦም ነይሮም። ቀዳማይ ልፍንታዊ መንግስቲ ከምዝቀውም፣ካልኣይ ሓድሽ ሕገ-መንግስቲ ዘርቅቅ ናፃ ኣካል ከምዝቀውም።

ካብ ስልጣን ንክወርዱ ንዝቀረበሎም ፃውዒት ተቃወምቶም ግና ኣይፋልኩምን ኢሎምዎም።ኣብ ግብፂ ህውከት ንከይስዕር ምውጋድ ዝካኣል ብሕገ-መንግስታዊ ስርዓት ጥራሕ‘ዩ‘ውን ኢሎም።

ወሃቢ-ቃል ሕውነታዊ ሙስሊም ገሃድ ኣል-ሃዳድ ንቪኦኤ ኣብ ዝሃቦ ሪኢቶ፣ኣንፃር ሰራዊት ኣፅዋር ኣይነልዕልን ይብል።ንፕረዚደንት ካብ ስልጣን ንምውጋድ ንዝካየድ ፈተነ ግና ከምዝቃወሙ ጠቂሱ ነይሩ።

”ታንክታት ናብ ፕረዚደንት እንተቅኒዔን፣ኣብ መንገደን ደው ክንብል ኢና። እተን ታንክታት ካብ ክልቲኡ ኣንፈት ንሓዲኡ ክመርፃ ክግደዳ‘የን፣ንዓና ጨፍሊቀን ንሬሳና ይሰግራ።ወይ ደው ይብላሞ፣ንሕጋዊነት ፕረዚደንትና ይቅበላ።ሳልሳይ ዝባሃል ምርጫ ኣብ‘ዚ የለን” ኢሎም።

ወሃቢ-ቃል ተቃወምቲ ግብፂ ምንቅስቃስ ታምሩድ ግና ”ንዕወተሉ ሰዓት ቀሪቡ‘ሎ።እቲ ዘይሕጋዊ ፕረዚደንት፣ሰራዊት ዝሃቦ ደረት ጊዜን ፕረዚደንት ካብ ቤተ-መንግስቲ ዝውገደሉን ሰዓት ዳርጋ ኣኺሉ‘ዩ። ናብ ኣደባባይ ወፂና፣ስምዒትና ክንገልፅ ግዴታና‘ዩ ዝብል እምነት ኣለኒ” ኢሉ ነይሩ።

ገለ እቲ ናብ ሚድያታት ግብፂ ልሑኲ ዝወፀ ትልሚ ሰራዊት ግብፂ፣ ሕገ-መንግስቲ ውዱቅ ምግባር፣ባይቶ‘ታ ሃገር ክፈርስን ጊዚያዊ መንግስቲ ክቀውም ምግባርን ዝብል ይርከቦ።
XS
SM
MD
LG