ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ እስራኤል ኣብ ራፋህ ንዝካየደቶ መጥቃዕቲ ኮኒና


ግብጺ፡ ሓይልታት እስራኤል ኣብ ራፋህ መጽለሊ ካብ መንበሪኦም ዝተፈናቐሉ ደብዳብ ፈጺሞም ክትብል ነቲ መጥቃዕቲ ኮኒና። በቲ መጥቃዕቲ ብውሑዱ 40 ሰባት ምሟቶም ኣብ ቓዛ ዝመደበሮም ሓገዝ ወሃብቲ ትካላት ኣፍሊጦም።

ሚንስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ወታሃደራዊ ወፍሪ ብቅልጡፍ ደው ክብል እስራኤል ድማ ዓለምለኸ ቤት ፍርዲ ገበን ንዘሕለፎ ውሳነ ከተኽብር ጸዊዑ’ሎ።

ዮርዳኖስ ብወገና ነቲ ኣብ ራፋህ ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ብምዅናን እስራኤል ተኸታታሊ ገበን ዅናት ትፍጽም ኣላ ክትብል ከሲሳ።

ዮርዳኖስ’ውን እቲ መጥቃዕቲ ንመጋባእያ ዓለምለኸ ቤት ፍርድ ገበን ዘሕለፎ ውሳነን ንሕግታት ሰብኣዊ መሰላት ዝጠሓሰ’ዩ ክትብል ሓቢራ።

ኣብ ራፋህ መዓስከር ተፈናቐልቲ መጥቃዕቲ ተፈጺሙ ክብል ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ፍልስጤማዊያን ሓማስን ሓቢሮም ኣለው።

እስራኤል ብወገና ብኣየር ብዘካየደቶ መጥቃዕቲ ክልተ ናይ ሓማስ መራሕቲ ምቕታሎምን ነቲ ሲቪል ሰባት ተቐቲሎም ንዝብል ክሲ ድማ ኣብ ምጽራይ ከምዘላ ኣፍሊጣ’ላ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG