ሰበስልጣን ብሪጣኒያ ሓደ ናይ ኣቪየሽን ጉጅለ ናብ መዕረፎ ነፈርቲ ግብጺ ሻርም ኤል-ሸይኽ ልኢኾም ኣለው።
‘ምርመራ ይቕጽል'ዩ ዘሎ ክሳብ ሕጂ ግን እታ ነፋሪት ንምንታይ ተሓምሺሻ ንዝብል ሕቶ መልሲ አይተረኽበሉን’’ኢሉ ካብ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ብሪጣኒያ ዴቪድ ካሜሮን ዝወጸ መግለጺ ‘ይኹን ደአእምበር ተወሳኺ ሓበሬታ ብዝረኸብና ቁጽሪ እታ ነፋሪት ኣብ ውሽጣ ብዝተቐብረ ቦምብ ተሓምሺሻ ክትኽእውን ትኽእል እያ ዝብል ስኽፍታና ይውስኽ እዩ ዘሎ’ ይብል እቲ መግለጺ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ዳዕሽ ነታ ነፋሪት ወቒዐ ዘውድቕኩዋ ኣነ እየ ክብል ሓላፍነቱ ኣሐዲሱ’ሎ።
ዳዕሽ ሎሚመዓልቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታት ኣብ ዝዘርግሖ ናይ ድምጺ መልእኽቲ ነቲ መጥቓዕቲ ንምውሳድ መዓስ ከምዝወሰነ ዝገልጽ ዝርዝር ሓበሬታ ከውጽእ እየ'ውን ኢሉ’ሎ።
ሰበስልጣን ግን ዝሓለፈ ቀዳም 224 ሰባት ሒዛ ዝተሓምሸሸት ነፋሪት ብሚሳይል ዝተወቕዐት ንምዃና መርትዖ ኣይረኸብናን ይብሉ።እታ ነፋሪት ኣብ ሰማይ ከላ ዝተበታተነትሉ ምኽንያት ቦምብ ወይ ሜናኒካዊ ጸገም እዩ ዝብል ግን ግምት ይጎልህ እዩ ዘሎ።
ናይ ግብጺ ፕሬዝዳንት ዓብድል ፋታሕ ኣል-ሲሲ ናዕበኛታት ዳዕሽ ነታ ነፋሪት ዝሓምሸሽናያ ንሕና ኢና ምባሎም ፕሮፓጋንዳ እዩ ክብሉ ነጺጎምዎ ኣለው።