ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ኣብ ጉዳይ ምዕባለ ልዝብ ግድብ ኣባይ "ዝለዓለ ሻቕሎት" ከምዘለዋ ፕረ. ግብጺ ገሊጾም


ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝ ምስ ፕረዚደንት ግብጺ ዓብደልፈታሕ ኣል ሲሲ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ካይሮ ተራኺቦም፡ተዘራሪቦም

ክልቲኦም መራሕቲ ኣብ ርክቦም ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ዓብይ ናይ ህዳሴ ግድብ “ምስሕሓብ” ንምውጋድ ዘለዎም ቅሩብነት ገሊጾም።

ፕረዚደንት ኣል ሲሲስ ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ክህልዎ ዝኽእል ጽልዋ ብዝምልከት ዝኻየድ ስሉሳዊ ዘተ ምዕባለ ብዘይ ምርኣዩ “ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘተሓሳስቦም” ገሊጾም።

“ ኣብ ጉዳይ ምህናጽ ግድብ ፈለግ ኒል፡ እቲ ብዛዕባ ቴክኒካዊ ምዕባለ ኣብ መንጎ ሰለስቲኣን ሃገራት ማለት ሱዳን፡ግብጺን ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘተ ንማሕበራዊ፡ከባቢያዊን ቁጠባዊን ጽልዋ ኣብ ልዕሊ ሱዳንን ግብጽን ንምግምጋምን ክውሰዱ ዝግባእ ስጉምትታት ዝሕታለ ብምህላው ብዝለዓለ ደረጃ ከምዘተሓሳስበና ገሊጸ እየ።”

ፕረዚደንት ኣል ሲሲ ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ግብጺ ካብ ፈለግ ኒል ንትረኽቦ ትሕዝቶ ማይ ዝጸልው ምኳኑ ብተደጋጋሚ ክገልጹ ዝጸንሑ ምኳኖም ይፍለጥ።

ቀዳማይ ሚኒስንትር ሃይለማርያም ደሳለኝ ብወገኖም ከምዚ ኢሎም።

“ ንህይወት ክልቲኡ ህዝብታት መሰረት ዝኾነን ንነባሪ ዝምድና ክልቲኡ ህዝብታት ኣብ ዝብል እዩ እዚ ግድብ ዝህነጽ ዘሎ፡ ፈለግ ኒል ብርግጽ ከም ኩሉ ጊዜ ንምትሕብባር ዕድል ዝህብ እዩ። እዚ ዓብይ ፍለግ ንውድድር ወይ ግጭት ኮነ እምነት ምስኣን ምክንያት ከይከውን ከምቲ ክቡር ፕረዚደንት ዝበልዎ ንሰማምዓሉ ነጥቢ እዩ። ኢትዮጵያ ትዓብይን ትምዕብልን ዘላ ሃገር እያ እንተኾነ ንካልኦት ስግኣት ብምኳን ዘይኾነ ብሰላምን ሓላፍነት ዘለዋ ንብዙሓት ተስፋ ትህብ ኣፍሪቃዊያ ሃገር ኮይና ክንዓብይ ኢና ንደልይ።”

ክልቲኦም መራሕቲ ነዚ ዝበሉ ካብ ከተማ ካይሮ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ መግለጺ’ዩ።

XS
SM
MD
LG