ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጺ ኣብ መንጎኣን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ወጥሪ ንምፍታሕ ዓለምለኸ ባንክ ጣልቃ ክኣትው ጻውዒት ኣቕሪባ


ኣብ ጉዳይ ህንጸት ናይ ህዳሴ ግድብ ኣብ መንጎ ግብጽን ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ውጥረት ንምፍታሕ ዓለምለኸ ባንክ ጣልቃ ክኣትው ግብጺ ጻውዒት ኣቕሪባ።

ግብጺ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበት ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት እታ ሃገር ሳማሕ ሻኩረይ ምስ ናይ ኢትዮጵያ መዘነኦም ወርቅነህ ገበያሁ ትማሊ ሶሉስ ኣብ አዲስ ኣበባ ኣብ ዝተራኸብሉ እዋን’ዩ።

እዚ ትማሊ ሶሉስ ዝተኻየደ ርክብ ሰበ ስልጣን ክልቲኣን ሃገራት ድሕሪ ናይ 10 ኣዋርሕ ልዝብ ምኳኑ ኮይኑ ኣብቲ ኣቐዲሙ ክኻየድ ዝጸንሓ ልዝብ ሱዳን’ውን ከምዝተሳተፈት ይፍለጥ።

ኢትዮጵያ ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ነቲ ናብ ግብጺ ዝፈስስ ትሕዝቶ ፈለግ ኒል ከምዘየጉድል ትገልጽ።

ብተወሳኺ ህንጸት እቲ ግድብ ኣድላይ ምዃኑን ንኣስታት 60 ሚልዮን ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ዘይረኽብ ዝነበረ ህዝቢ ኣገልግሎት ኤሌትሪክ ዝህብ ምዃኑ ኢትዮጵያ ትሕብር።

ሚንስትር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ አቶ ወርቅነህ ገበየሁ ኢትዮጵያ ንጻውዒት ግብጺ ከምትሓስበሉ ብምግላጽ ህንጸት እቲ ግድብ ግን ኣብ ልዕሊ ግብጺ ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘይህልዎ ሓቢሮም።

ምህናጽ ናይ ህዳሴ ግድብ ልዕሊ 63 ሚእታዊት ምዝዛሙ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

መውሃቢ ርእይቶ ኣብ ፈይስቡክ

ኣብዚኣ'ሞ

ኣብዚኣሞ! ንዓመተ 2017 ኣብ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ብብዝሒ ሸቶ ብምምዝጋብ ዝፋነዋ ዘሎ ተጻዋታይ መን ይበሃል?

እዚ ሳይንቲፊካዊ ዘይኮነ መዐቀኒ ህዝባዊ ርእይቶ፤ ንርእይቶ ወሃብቱ ጥራይ እዩ ዘመልክት

XS
SM
MD
LG