ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግብጻዊ ፕሮፌሰር ነፋሪት መገዲ ኣየር ግብጺ ጨውዩ

ዝበዝሑ ግብጻውያን ዝኾኑ 81 ተሳፈርቲ ካብ ኣለክሳንድርያ ናብ ካይሮ ርእሰ ከተማ ግብጺ ጽዒና ትበርር ዝነበረት ነፋሪት መገዲ ኣየር ግብጺ ሎሚ ሰሉስ ተጨውያ።

እታ MS181 ፍሉይ ዝመለለይኣ ነፋሪት መገዲ ኣየር ግብጺ: ብኣብ ኣካላቱ ዝተጻወደ ተፈንጃሪ ዝዓጠቐ 27 ዝዕድመኡ ፕሮፌሰር ሕክምና እንስሳ ተገዲዳ ኣንፈታ ክትቅይርን ኣብ ቆጵሮስ ክትዓልብን ከምዝተገብረ ድማ ተፈሊጡ።

እታ ዝተጨውየት ነፋሪት መገዲ ኣየር ግብጺ ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ላርናካ ቆጵሮስ ድሕሪ ምዕላባ: ካብ ኣሳፊራቶም ዝነበረት ገያሾ ዝበዝሑ ከምዝተራገፉን ሒደት ጥራይ ኣብ ውሽጢታ ነፋሪት ከምዝርከቡን ብተወሳኺ ተፈሊጡ።

ተወሳኺ ጽዓን

XS
SM
MD
LG