ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ 12 ዕጡቓት ምቕታሎም ተገሊጹ


ፋይል- ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ሓደ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቐትሉ ኣባላት ፖሊስ
ፋይል- ስነ ስርዓት ቀብሪ ናይ ሓደ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተቐትሉ ኣባላት ፖሊስ

ሓይልታት ጸጥታ ግብጺ 12 ዕጡቓት ኣብ ምዕራባዊ ምድረበዳ እታ ሃገር ምቕታሎም መና ዝተባህለ ናይታ ሃገር ኣገልግሎት ዜና ሓቢሩ።

በመሰረት ሓበሬታ እቲ ኣገልግሎት ዜና “ሓይልታት ጸጥታ ነቲ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መጥቓዕቲ ስዒቡ ብዘካየድዎ ስርሒት ነቶም 12 ዕጡቓት ምቕታሎም፡ ስሙ ዘይተጠቅሰ አባል ሓይልታት ጸጥታ ሓቢሩ’ሎ” ኢሉ።

እቶም ዕጡቓት ዝተቐተሉ ሰበ ሰልጣን ሓይልታት ጸጥታ ንአባላት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ግብጺ ዘጋጠሙ ተደጋጋሚ መጥቓዕትታት ሓላፍነት ዝወስድ ዝነበረ ጉጅለ ሃሳም ንምርካብ ኣብ ዘካይድዎ ዝነበረ ፈተሻ ብዝተኻየደ ተኹሲ ልውውጥ ምኳኑ ይገልጹ።

ኣብቲ ናይ ዝሓለፈ ሰሙን መጥቓዕቲ 30 አባላት ፖሊስ ምሟቶም ይፍለጥ።

ድሕሪ ምውዳቕ ፕረዚደንት መሃመድ ሞርሲ ኣብ 2013 ዓ.ም እስላማዊ ጥሩፍ ጉጅለ ተቓወምቲ ምምስራቱ ይፍለጥ።

እቲ ጉጅለ አቲ ኣብ ግብጺ ዝንቀሳቀስ ዳዒሽ ዝሓቑፍ ኮይኑ ኣብ ሰሜናዊ መሽመጥ ሲናይ ብብዝሒ ከምዝንቀሳቀስ ዝፍለጥ ኮይኑ መጥቓዕትታቱ ግን ክሳብ ዋና ከተማ ካይሮ ከምዝዝርጋሕ ይግለጽ።

ግብጺ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ኣብ ክልተ ኣብያተ ክርስትያን ብዘጋጠመ መጥቓዕቲ ነታጊ ግብጺ ኣብ ትሕቲ ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ምህላዋ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG