ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ክልል ትግራይ 2.3 ሚልዮን ተመሃሮ ናብ ትምህርቲ ኣይተመልሱን


ኣብ ክልል ትግራይ ሕዚ እውን ልዕሊ 2.3 ሚሊዮን ተማሃሮ ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ከም ዘይተመለሱ ትካል ህፃናት ኣድሕን (Save the Children) ኣፍሊጡ። ኣብ ትካል ህፃናት ኣድሕን፡ ሓላፊት ህዝባዊ ርክባት ህይወት እምሻው ንድምፂ ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ ቃለመሕትት፡ ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ብዘሎ ኲናትን ግጭትን ልዕሊ 3.5 ሚሊዮን ተማሃሮ ኣገልግሎት ትምህርቲ ከምዘይረኽቡ ኣመልኪተን።

ኣብ ክልል ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ዘሎ ምድላው እንታይ ከምዝመስል ዝተሓተቱ ሓላፊ ቤት ትስሕፈት ትምህርቲ እቲ ክልል ዶ/ር ኪሮስ ጉዑሽ፡ ንሚንስትሪ ትምህርቲ ሓዊሱ፡ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ብምትሕብባር ኣብ ቀረባ እዋን ትምህርቲ ንምጅማር ንሰርሕ ኣለና ኢሎም። መሓውር መሰረተ ልምዓት ትምህርቲ ክልል ትግራይ ምሉእ ብምሉእ ዓንዩ እዩ፡ እቶም ዝተረፉ ውሑዳት ኣብያተ ትምህርቲ ድማ መዕቖቢ ተመዛበልቲ ኮይኖም ኣለዉ ዝበሉ እቶም ሓላፊ፣ እቶም ብኲናት ዝዓነው ኣብያተ ትምህርቲ ክሳብ ዝመዓራረዩ ከይተፀበና፡ ዋላ ኣብ ዳስን ኣብ ካልኦት መፅለልታትን ትምህርቲ ክጅምር ኢና ኢሎም ኣለው።

ኣብቲ ክልል ንምጅማር ትምህርቲ ዝፅበዩ 2.4 ሚልዮን ተማሃሮን 46,500 መምህራንን ከም ዘለዉ ድማ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG