ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብያተ ትምህርቲ ህፁፅ ረድኤት ዝቐርበሎም ኣገደሰቲ ኣካላት እዮም ይብል ዩኒሴፍ


ማሪክሲ መርካዶ ብምውሳኽ ኣብያተ ትምህርቲ ህይወት ኣድሕን ናይ ኣመጋግባ፡ፅርየት፡ምርግጋእን ተስፋን ሓበሬታ ዝቐርበሉ ስፍራ እዩ ኢለን።

ኪኢላታት ሕቡራት መንግስታት ትምህርትን ኣብያተ ትምህርትን ንግዳያት ድርቅን ጥምየትን ቀርኒ ኣፍሪካ ህፁፅ ረድኤት ዝቐርበሎም ኣገደስቲ ኣካላት እዮም ክብሉ ኣፍሊጦም።

ኣብ ደቡብን ማእኸላይን ሱማሊያ ዝርከቡ ካብ ሓሙሽተ ዓመት ክሳብ 17 ዓመት ዝዕድሚኦ 2.3 ሚሊዮን ዝግመቱ ህፃውንቲ እቶም 1.8 ሚሊዮን ወይ’ውን 78 ሚእታዊ ዝኾኑ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ምዃኖም ትካል ህፃናት ሕቡራት መንግስታት /ዩኒሴፍ/ ኣፍሊጡ።ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ መፅናዕቲ ከምዝሓበሮ ካብ ትምህርቲ ወፃኢ ዝኾኑ ህፃውንቲ ብዕፅፊ ክውስኽ እዩ ይብል።ኣብ ገሊኦም ኣብያተ ትምህርቲ ድማ ናብ ስርሖም ዝምለሱ መምህራን እቶም ርብዒ ጥራሕ ከምዝኾኑ እቲ መፅናዕቲ ይገልፅ።

መሰረታዊ ዝኾኑ ቀረባት ብምሃብ ህፃውንቲ ዘጋጥሞም ሽግራት ዝቃለሉሎም ኣብያተ ትምህርቲ እዮም ዝበላ ወሃቢት ቃል ዩኒሴፍ ማሪክሲ መርካዶ ዩኒሴፍ ነቲ ጉዳይ ጠመተ ንኽግበረሉ ይፅውዕ ኢለን።

ኣስዒበን ድማ ኣብያተ ትምህርቲ ምግቢ፡ማይን ክንክን ጥዕናን ዝቐርበሎም ቦታትት ምዃኖምን ክሳብ ክልተ፡ሰለስተ ዓመት ዝዕድሚኦም ህፃውንቲ ምግቢ ክረኽቡ ምእንታ ደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ዘምፅኡ ስድራታት’ውን ኣለው ኢለን።ብምቕፃል ‘’ህፃውንቲ ዘድሊዮም ምግቢ እናረኸቡ ንመፃኢ ዕድሎም ወሳኒ ዝኾነ ትምህርቲ ዝከታተልሉ ዘተኣማምን ቦታ እዩ።’’ይብላ።

ማሪክሲ መርካዶ ብምውሳኽ ኣብያተ ትምህርቲ ህይወት ኣድሕን ናይ ኣመጋግባ፡ፅርየት፡ምርግጋእን ተስፋን ሓበሬታ ዝቐርበሉ ስፍራ እዩ ኢለን።

ትምህርቲ ንህፃውንቲ ጥራሕ ከይኮነስ ንማሕበረሰብን’ውን ንሰብኣዊ ምትሕግጋዝ ኣድላይ ዝኾኑ መንገዲታት ዝቐርበሉ ህፃውንቲ ናይ መፃኢ ተስፍኦም ዝረኽብሉ ቦታ እውን እዩ ኢለን ማሪክሲ።

ናብቶም ኣዐሪዮም ግዳያት ዝኾኑ ህፃውንቲ ትምህርቲ ንምብፃሕ ኣፀጋሚ ኣብዝኾነሉ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ኣዐሪዮም ሓገዝ ዘድሊዮም ኣብ ደቡብን ማእኸላይን ሱማሊያ፡ኣብ ኬንያን ኢትዮጵያን ዝርከቡ ሰበኽ ሳግም፡ኣብ ጥቕኦም ኣብዝርከቡ መዕቖቢ ስደተኛታትን ዝርከቡ ህፃውንቲ እዮም ይብል ዩኒሴፍ።ኣብ መፅልሊ ስደተኛታት ዳዳብ ሽፋን ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ 2006 ኣ/ፈ ካብ ዝነበሮ 87 ሚእታዊ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ናብ 32 ሚእታዊ ምውራዱ ፀብፃብ ዩኒሴፍ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG