ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መግለጺ ሪፖብሊካዊ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኣብ እዋናዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ


ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ሪፖብሊካዊ ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ኢድ ሮይስ ትማሊ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም መግለጺ ሂቦም።

ኮምግረስማን ኤድ ሮይስ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽእዎ መግለጺ “ኢትዮጵያ ኣብ መወዳእትኡ እሱራት ፖለቲካ ከምዘለውዋ ኣረጋጊጻ። መንግስቲ ሕጂ ክገብሮ ዘለዎ እሱራት ምፍታሕን እሱራት ብምስቃይ ዝፍለጥ ቤት ማእሰርቲ ንምዕጻው ዝአተዎ ቃል ብህጹጽ ምትግባር እዩ” ኢሎም።

ንሶም ኣብቲ መግለጺኦም ኢትዮጵያ ጽንዕቲ መሻርክቲ ኣሜሪካን ኣብ ሓደገኛ ከባቢ ምንጪ ምርግጋእ ኮይና ክትጸንሕ እንተደልያ መንግስቲ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ከኽብር ኣለዎ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG