ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤኳዶር፤ ጭፍራ ዓዋሉ ን15 ደቓይቕ መደበር ቴለቪዥን ተቖጻጺሮም


ክልተ ዓበይቲ መራሕቲ ጕጅለታት ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ካብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምህዳሞም ኣብ ናይ ሓደጋ ህጹጽ እዋን እትርከብ ላቲን ኣመሪካዊት ሃገር ኤኳዶር፡ ኣብ ሓንቲ መደበር ቴለቪዥን ሰቢሮም ዝኣተዉ ዓዋሉ ን15 ደቓይቕ ዝኸይድ ናይ ምፍርራሕ መደረ ፈንዮም።

እቶም ተሸፊኖም ናብቲ ቀጥታዊ ፈነወ መደበር ቴለቪዥን ብምእታው ንጋዜጠኛታት ኣብ መሬት ኣደቂሶም ባዕላቶም ነቲ መድረኽ ብምቍጽጻር፡ “ሕጂ ኣብ ኣየር ኣሎና፡ ንዓና ምትሓዝ ኣይከኣልን’ዩ። ዝፈተነ ድማ ዕጫኡ እዚ’ዩ ዝኸውን፡” ክብሉ ተሰሚዖም። ጸኒሖም ፖሊስ ኣብ ምሉእ ቍጽጽር ከም ዘእተዉዎምን ዝሞተ ኰነ ዝተጐድአ ወገን ከምዘየሎን ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ ሓቢሩ።

ንፕረዚደንት ዳኒኤል ኖቦዋ ናይ ህጹጽ ሓደጋ እዋን ከሕልፍ ዝደረኾ፡ ብሰኑይ መራሒ ኣሰጋገርቲ ሓሽሽ ዝዀነ ኣዶልፎ ማሲያስ ካብቲ ጽኑዕ ምኳኑ ዝንገረሉ ቤት ማእሰርቲ ድሕሪ ምምላጡ’ዩ። ማሲያስ ኣብ 2013 ተታሒዙ ኣብ ዝተረረ ቤት ማእሰርቲ እኳ እንተ ነበረ፡ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ተታሒዙ ኣብ ማእሰርቲ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ ደጊሙ ክመሉቕ ክኢሉ።

ማሲያስ ብቕትለትን ምስግጋር ዘይሕጋዊ ንብረትን ተኸሲሱ ን36 ዓመት ማእሰርቲ ተፈሪዱዎ’ዩ ነይሩ።

ኤኳዶር ካብ ቀንዲ ኮከይን ዝፈርየለን ሃገራት ኮሎምቢያን ፔሩን መሰጋገሪት ሓሽሽ እተግልግል ሃገር ምዃና ኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይትድ ፕረስ የመልክት።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG