ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ፍርዲ ሕ/ኣውሮጳ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ካብ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ክወጻ ዘቕረብኦ ሕቶ ነጺግዎ


ቤት ፍርዲ ፍትሒ ሕብረት ኣውሮጳ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ካብ ናይ ሕብረት ኣውሮጳ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ክወጻ ዘቕረብኦ ሕቶ ነጺግዎ።

እቲ ቤት ፍርዲ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዝወዓለ መጋባእያ ነቲ ብሃንጋሪን ስሎቫክያን ዝቐረበ ሕቶ ምሉእ ንምሉእ ነጺግዎ አሎ።

ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ መስከረም 2015 ዓ.ም. ኣብ ግሪክን ኢጣልያን ዝርኸቡ 160,000 ስደተኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ከጣይሳ ምስምማዓን ይፍለጥ፡ ይኹን ደአ እምበር ክሳብ ሕጂ 24,000 ስደተኛታት ጥራይ ተጣይሶም አለው።

ቤት ፍርዲ ሕ/ኣውሮጳ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ካብ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ክወጻ ዘቕረብኦ ሕቶ ነጺግዎ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:01 0:00

እዚ ፕሮግራም አካል ፖሊስ ኢምግሬሽን ሕብረት ኣውሮጳ ምኳኑ’ውን ይፍለጥ።

ሃንጋሪን ፖላንድ ካብ መጀመርያ ነቲ መደብ ምጥያስ ስደተኛታት ዝተቓወማ ክኾና ከለዋ ስሎቫክያ ግን ገለ ስደተኛታትካብ ግሪክ ምቕባላ ይዝከር።

ትካል ተሓላቒ ሰብ ኣዊ መሰላት ኣምኒስቲ ኢንተርናሽናል ንውሳኔ እቲ ቤት ፍርዲ ብምምስጋን ሃንጋሪን ስሎቫክያን ንሃገራትን ካብ ስደተኛታት ነጻ ንምግባር ይፍትና አለዋ ኢሉ።

ዳይሬክተር ኣምንስቲ ኣብ ኣውሮጳ ኢቪሪና ማክግዎን ብወገነን “ እቲ ውሳነ ሃንጋሪን ስሎቫክያን ንሓተቲ ዑቕባ ዘለወን ግዴታን ሓላፍነትን ብዘይምምላኣን ዘይቕቡል ምኳኑ ንጹር መልእኽቲ ዘሕልፍ እዩ” ኢለን።

XS
SM
MD
LG