ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ብምህርቲ ቖርበት ብኣብነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ እያ ተባሂላ


ኢትዮጵያ ኣብ ፍርያት ቆርበት ብኣብነት ካብ ዝጥቀሳ ሃገራት ሓንቲ ምዃና ኣብ ሕቡራት መንግስታት ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚክ ኮሚሽን ሓላፊ ክፍሊ ትንበያን ዘፈር ማክሮ ኢኮኖምን ሚስተር ኣደም ኣል-ሂራይካ ሓቢሮም።

‘’ካብ ናይ ኣፍሪካ ናይ ተፍጥሮ ፍሪያት ዝለዓለ ውፅኢት ምርካብ’’ ዝብል መልእኽቲ ሒዙ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብዝተኻየደ ናይ 2013 ኣ/ፈ ናይ ኣፍሪካ ኢኮኖሚ ፀብፃብ ኣኼባ ኣፍሪካ ኣብ ምዕባይ ትርከብ ዘለ እንተኾነት’ውን ናይ ኢንዲስትሪ ዕቑር ሃብታ ምሉእ ብምሉእ ኣብ ግብሪ ክተውዕሎ ከምዘለዋ ይሕብር።እቲ ሪፖርት ወሲኹ ኣብ ተፎጥራዊ ፀጋታታ ዝተመስረተ ሰፊሕ ዝርግሐ ኢንዱስትሪ ክትፍፅም ኣለዋ’ውን ይብል።

ነዚ ንምግባር ድማ ውፅኢታዊ ፖሊሲ ኢንዲስቱሪን ዘላቕን ናይ ነዊሕ እዋን ናይ ልምዓት ትልምን ይሓትት ይብል እቲ ሪፖርት።

ብመሰረት እቲ ናይ ኢኮኖሚ ፀብፃብ ንመፅናዕቲ ካብ ዝተወሰዳ ሃገራት ኢትዮጵያን ግብፅን እየን ከም መብርሂ ሚስተር ኣደም ኣል-ሂራይካ።

ገለ ሃገራት ኢኮኖሚአን ብምብዛሕን እሴተንን ብምውሳኽን ስሉጥ ዕብየት እናመዝገባ እየን ዝበሉ ንሶም ‘’ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ፍሪያት ቖርበት ኣዝዩ ኣንፀባራቒ ኣለና።ኣብ ግብፂ’ውን ብዓለባ ኣንፃራዊ ብዝኾነ ተወዳዳራይ ኮይኑ’ሎ።’’

ኣደም ኣል-ሂራይካ ነቲ ፀብፃብ ብምጥቓስ ብተደጋጋሚ ከምዝሓበርዎ ንዕብየት ቁጠባን ልምዓትን ጠጠው ዝበለ መንግስቲ ንከምዚኦም ዝበሉ ውፅኢታት ዝለዓለ ጊደ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።ብመሰረት እቲ ፀብፃብ ኣፍሪካ ኣብዚ እዋን እዚ ካብ ካሊእ ኽፋል ዓለም ብዝበለፀ ብቕልጡ ትዓቢ ዘላ ክፈለ ኣህጉር እንተኾነት እውን ሎሚ’ውን ድኽነት ዝተስፋሕፍሐላ እያ።
XS
SM
MD
LG