ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቦላ ቀፃሊ ኤችኣይቪ/ኤዲስ ከይኸውን ስግኣት ኣሎ

From left, IMF Managing Director Christine Lagarde, World Bank Group President Jim Yong Kim, Guinea's President Alpha Conde and United Nations Secretary-General Ban Ki-moon address the Ebola crisis during the IMF-World Bank annual meetings in Washington,

ዋና ፀሓፊ ሕቡራት መንግስታት ባን ኪሙን ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተልዓለ ለበዳ ኢቦላ ንምምካት ዓለም ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ብ20 ኢድ ክተዕቢዮ ኣለዋ ኢሎም።

ባንኪ ዓለም ብዛዕባ ኢቦላ ዝዝቲ ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ኣብ ዘዳለዎን ላዕለዎት ሰበስልጣን ብኣካል ፕሬዝዳንትታት በቲ ሕማም ናይ ዘጠቕዓ ሃገራት ጊኒ፣ላይበሪያን ሲየራ ሊዮንን ድማ ብቪዲዮ ኣብ ዝተሳተፍሉን ኮንፈረንስ ሎማዕንቲ ሓሙስ ተረኺቦም እዮም መደረ ዘስምዑ ባን ኪሙን።

ኣብ ተንቀሳቓሲ መመርመሪ ላብራቶሪታት፣መኻይን፣ሄልኮፕተራት፣መከላኸሊ ናውቲ፣ዝሰልጠኑ ሰራሕተኛታት ጥዕናን ወዘተ ሓገዝ ክውስኽ ኣለዎ ኢሎም ብምውሳኽ።

ፕሬዝዳንት ባንኪ ዓለም ዮንግ ኪም ብወገኖም ኣብቲ ኮንፈረንስ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ለበዳ ቫይረስ ኢቦላ ኣብ ቁፅፅር ውዒሉ ብህፁፅ ጠጠው እንድሕር ዘይኣቢልናዮ መፃኢ ኣፍሪካ ኣብ ሓደጋ ክወድቕ እዩ ኢሎም።

ሕዚ ዝበፅሐና ዜና ድማ HIV/AIDS ካብ ዝልዓል ንድሓር ኢቦላ እቲ ዝዓበይ ቅልውላው ጥዕና እዩ ኢሎም ሓደ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ጥዕና ዩናይትድ ስቴትስ።

ዶ/ር ቶማስ ፍራይደን ኣብዚ ናይ ባንኪ ዓልም ኮንፈረንስ ሎማዕንቲ ሓሙስ ከምዝገለፅዎ እቲ ቫይረስ ባህሪያቱ ብቐፃልነት ይቐያይር ስለ ዘሎ ተፀሪጉ ንኽጠፍእ ነዊሕ ግዜ ክወስድ እዩ ኢሎም።ቀፃሊ ኤዲስ ንከይኸውን ማሕበረሰብ ዓለም ኣበርቲዑ ክሰርሕ ኣለዎ ኢሎም።

ኣብዚ ዓመት ኣብ ምዕራብ ኣፍሪካ ልዕሊ 230 ሰራሕተኛታት ጥዕና ብኢቦላ ምማቶም ትካል ጥዕና ዓለም ኣፍሊጡ’ሎ።

XS
SM
MD
LG