ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢቦላ ናብ ሰኔጋል ምእታው ተገሊፁ


ለበዳ ኢቦላ ምዕራብ ኣፍሪካ ናብ ሰኔጋል ተጋፊሑ።ኣብ ሰኔጋል ፈላማይ ሕሙም ምርካቡ ሎማዕንቲ ዓርቢ ዕላዊ ኮይኑ’ሎ።

በቲ ቫይረስ ዝተትሓዘ ጊኒያዊ ተምሃራይ ዩኒቨርስቲ ምዃኑን ኣብ ዋና ከተማ ዳካር ሕክምና ይግብረሉ ከምዘሎን ምንስቴር ጥዕና እታ ሃገር ሜሪ ኮል ሰክ ንጋዜጠኛታት ኣብዝሃብኦ መግለፂ ሓቢረን።

እቲ መንእሰይ ኣብ ግኒ እናሃለወ ምስ ሕሙማት ኢቦላ ምንኽኻእ ከምዝነበሮ ኣሚኑ’ሎ ኢለን እተን ምንስቴር።

ሰኔጋል ሓምሸይቲ ምዕራብ ኣፍሪካ ኮይና’ላ።

ብዝተኣሳሰረ ሕብረት ኣፍሪካ ንሕማም ኢቦላ ንምክልኻል ካብ ስቪልን ወታደርን ዝሓቖፈ ጉጅለ ናብ ጊኒ ኮናክሪ ምልኣኹ ኣፍሊጡ።

ኮሚሽነር ማሕበራዊ ጉዳያት ሕብረት ኣፍሪካ ዶ/ር ሙስጣፋ ሲዲኪ ካሎካ 100 ኣባላት ዝሓቖፈ ጉጅለ ምስፍሕፋሕ ኢቦላ ኣብ ጥዕና ማሕበረሰብ ዝፈጠሮ ቅልውላው ንምክልኻል ንዝተትሓዙ ዓለምለኸን ሃገርለኸን ፃዕርታት ክሕግዙ እዮም ኢሎም።

በቲ ሕማም ኣብ ዝተቕዑ ከባቢታት ሰብኣዊ ረድኤት ንምክፍፋል ዘእኽሉ መንገድታትን ፀጥታን ኣብ ምሕላው ክንሰርሕ ኢና።እዮም ዝበሉ።

ኢቦላ ኣብ ኣርባዕተ ሃገራት ምዕራብ ኣፍሪካ ዝተሓፀረ ከይኮነስ ኣህጉራዊ ሽግር ብምዃኑ ዶባት እናዓፀና ኢና ኢሎም።

XS
SM
MD
LG