ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁፅሪ ብኢቦላ ዝሞቱ ሰባት ልዕሊ 4 ሽሕ በፂሑ


ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብ ናይ ምዕራብ ኣፍሪካ ለበዳ ኢቦላ ዘተኮሩ ዓበይቲ ዓለምለኸ ኣኼባትታ ክካየዱ ቐኒዮም ኣለው።ናይ ሚሊዮናት ዶላር ሓገዝ ቃል እውን ተኣቲዩ’ሎ።ዩናይትድ ስቴትስ፣ብሪታኒያን ወታደራተን ንሓገዝ ናብ ዝተጠቕዓ ሃገራት እንትልእኻ ከም ኩባ ዝበላ ሃገራት እውን ሓኻይም ልኢኸን ኣለዋ።እቲ ምስፍሕፋሕ ግን ንፃዕርታት ዓብሊሉዎ ይርከብ።

ካብ ዝሓለፈ 6 መስከረም ጀሚሩ በዝሒ ብኢቦላ ናይ ዝሞቱ ሰባት ዳርጋ ብዕፅፊ ከምዝወሰኸ ፀብፃብ ትካል ጥዕና ዓለም ይሕብር።ልዕሊ ኣርባዕተ ሽሕ በፂሑ’ሎ።

ፍርቂ ናይቶም ዝሞቱ ላይበሪያዊያን እዮም።ምላሽ ምሃብ ይውስኽ እንተሃለወ እውን ዓብዪ ለውጢ ንምምፃእ ሰሙናት ወይ ኣዋርሕ ክወስድ እዩ።

‘’ምስ ብፃዕቒ ዝቐፀለ ኵናት ክተወዳድሮ ትኽእል’’ ዝበሉ ኣብ ዓለምለኸ ፌደረሽን ቀይሕ መስቀል ዞባዊ ኣዋሃዲ ኢቦላ ዝኾኑ ቢርተ ሃልድ እቲ ለበዳ ብዓብዪ ደረጃ እናወሰኸ እዩ ይብሉ።

ቀይሕ መስቀል ኣብ ዝሓለፈ 1 መስከረም 2014 ኣ/ፈ ኣብ ላይበሪያ ንስሞቱ ሰባት ዝቐብሩ ሽዱሽተ ጉጅለታት ነይረምዎ።ሕዚ ግን ልዕሊ 20 ጉጅለታት ኣለው።ኣብ ዝቕፅል ታሕሳስ እቲ ቁፅሪ ናብ 35 ክዓቢ እዩ ብመሰረት ሃልድ።

ዶብ ኣልቦ ሓኻይም ዝተብሃለ ገባሪ ሰናይ ኣብዚ ወርሒ እዚ ካብ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ዝተውሃቦ ናይ 2.2 ሚሊዮን ዶላር ሓገዝ መሊሱዎ’ሎ።ኣብ ክንድኡ ሰራሕተኛታት ጥዕና ንክልእኽ ብምሕታት።

ሕዚ ሰለስተ ሚእቲ ወታደራት ዩናይትድ ስቴትስ ኣብ ላይበሪያ ይርከቡ።ካብ ዝህነፁ 17 መሐከሚ ማእኸላት ንሰለተ ቀዳሞት ኣብ ምስራሕ ይርከቡ።

ላይበሪያዊ ሓጋዚ ሓኺም ኣልፈርድ ታመይ ትዕግስቱ እናተፀንቀቐ ምዃኑ ይገልፅ። ኣብ ሕድ ሕድ ደቒቓ ሰብ ብኢቦላ እናሞተ ስለዝርከብ ኣዚዩ ዘሻቕል እዩ ይብል።

ብዩናይትድ ስቴትስ ሓዊሱ ዝተውሃቡ ተንቀሳቐስቲ ላብራቶሪታት ናብተን ዝተጎድኣ ሃገራት ምግዓዝ ከምዘድሊ ብዙሓት ሰራሕተኛታት ይፅውዑ ኣለው።ሎሚ ኣብ ሰለስተ ሃገራት 11 መመርመሪ ጣቢያታት ብምሉእ ዓቕመን ይሰርሓ ኣለዋ።

ላይበሪያ ኣብ ሓደ ማዕልቲ ን500 ምልክታት ትምርምር ኣላ።ቅድሚ ሓደ ወርሒ ምስ ዝነበረ እንተንፃፀር ብኣርባዕተ ዕፅፊ ወሲኹ’ሎ።

XS
SM
MD
LG