ዋሽንግተን —
ሚንስትሪ ጥዕና ኡጋንዳ፡ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ብቫይረስ ኢቦላ ዝተለኽፉ ዜጋታት ትሽዓት ምብጽሑ ሎሚ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ከም ዘስፈሮ፡ ብዝሒ ብኢቦላ ዝተለኽፉ ዜጋታት ሰለስተ ድሕሪ ምጽናሑ’ዩ ሃንደበት እዚ ወሰኽ ቍጽሪ ዝርአ ዘሎ።
ኣብ ኡጋንዳ ምልባዕ ኢቦላ ከም ዘሎ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓንቲ ነርስ ድሕሪ ምሟታ’ዩ ተፈሊጡ። ኡጋንዳ በዚ ቀታሊ ቫይረስ ክትጥቃዕ ሎሚ ንሻድሻይ እዋና’ዩ።
ኵላቶም በዚ ቫይረስ ለኺፎም ዘለዉ ዜጋታት ምስታ ዝሞተት ነርስ ብኣካል ተተናኺፎም ምንባሮም እቶም ሰብ-መዚ ጥዕና ይሕብሩ። ነቲ ተርእዮ ንምግታእ ድማ ሓለዋ ጥዕና እታ ሃገር፡ ምስታ ነርስ ዝተተናኸፉ 265 ሰባት ፈልዩ ወሺቡ ኣሎ።
ሰብ-መዚ ጥዕና እቲ ቫይረስ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ከም ዘሎ ይኣምኑ። ህዝቢ ግን ጥንቃቐ ከዕቢ ኣዘኻኺሮም ኣለዉ።
ቅጥዒ