ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሓደ ሰብ ሞይቱ፡6 ቆሲሎም


 ፖሊስ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ድሕሪ አዋጅ ህጹጽ እዋን
ፖሊስ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ድሕሪ አዋጅ ህጹጽ እዋን

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ወለጋ ትማሊን ሎሚን ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ሓደ ሰብ ምሟቱን ሽዱሽተ ካልኦት ድማ ቆሲሎም ክብሉ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊፆም።

ኣብ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ወለጋ ወረዳ ጉቶ ጊዳ ከተማ ኡኬ ትማሊን ሎሚን ብዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ፈደራል ፖሊስ 6 ሰባት ብጥይት አቁሲሉ ናይ ሓደ ሰብ ህይወት ምጥፍኡ ከንቲባ’ታ ከተማ አቶ ተስፋዬ ደበሎ ንድምጺ ኣሜሪካ ገሊጾም። እቲ ጎንጺ ዝተፈጥረሉ ምክንያት ዝበልዎ’ውን ኣብሪሆም።

“መበገሲ’ቲ ጎንጺ ኣብ ዝሓለፈ ቀዳም ካብ ቤት ማእሰርቲ ንዝተፈትሑ አባላት አመራርሓ ፈደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ ኣብ ከተማ ነቀምቴ ንከይኣትው ምክልኻሎም ፈደራል ፖሊስ ካብ ከተማ ኡኬ ይውጻእ ዝብል’ዩ እዮም።”

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG