ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ  ከተማ ጨለንቆ ዝተኻየደ ተቓውሞ 15 ሰባት ተቐቲሎም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮምያ ዞባ ምብራቅ ሃገርጌ ከተማ ጨለንቆ ኣብ ዝተኻየደ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ 15 ሰባት ዝቐተሉ አባላት ሰራዊትን ትእዛዝ ዝሃቡ ሓለፍትን ብሕጊ ክሕተቱ ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ ሓቲቱ።

እቲ ቅትለት ብረት ኣብ ልዕሊ ዘይሓዙ ዜጋታት ዝተፈጸመ ገበን’ዩ ክብሉ ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኦሮምያ አቶ አዲሱ አረጋ ገሊጾም።

ብካልእ ወገን ኣብ ዩኒቨርሲቲ ወለጋ ሻምቡ ካምፓስ ብሄር ፈልዮም መጥቓዕቲ ብምፍጻም ክልተ ተወላዶ ትግራይ ዝቐተሉ አካላት’ውን ሕጋዊ ስጉምቲ ከምዝውሰድ እቶም ወሃቢ ቃል ገሊጾም።

ኣብ አዲስ አበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ’ውን ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ንስድራ ኣብ ክልቲኡ ከባቢታት ንዝሞቱ ሰባት ሓዘኑ ገሊጹ’ሎ።

እቲ ኤምባሲ ብተወሳኺ መንግስቲ ደሕንነት ዜጋታቱ ከረጋግጽ ንገበነኛታት ናብ ፍርዲ ከቅርብን’ውን ኣድላይ’ዩ ኢሉ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኣብ  ከተማ ጨለንቆ ዝተኻየደ ተቓውሞ 15 ሰባት ተቐቲሎም
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:42 0:00

XS
SM
MD
LG