ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝቕፅል ሰኒ ምርጫ ክተካይድ እያ


ንናይታ ሃገር ፕሬዝዳንት 11 ሕፁያት ተወዳደርቲ ይነሓንሑ ኣለው።1,800 ሕፁያት ድማ ንፓርላማ ይወዳደሩ ኣለዉ።

ምብራቓዊ ክፍለ ግዝኣት ዲሞክራሲያዊ ሪፓብሊክ ኮንግ እቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ክፋል እታ ሃገር እዩ።ንዓሰርተታት ዓመታት ብዅናትን ሰብኣዊ ቅልውላውን ክጥቃዕ ዝፀንሐ ከባቢ እዩ።ኣብ ኮንጎ ሕድ ሕድ ዅናት ጠጠው ካብ ዝብል ጀሚሩ እታ ሃገር ንኻልኣይ ግዜ ምርጫ ንምክያድ እናተዳለወት እያ።ገለ መረፅቲ ሕጉሳት እዮም፡ካልኦት ድማ እዚ ምርጫ እዚ ብሰላም ኣይካየድን ብዝብል ይፈርሑን ይሰግኡን ኣለው።

ኣብቲ ናይ መወዳእታ ወፍሪ ምርጫ ኣብ ዋና ከተማ ክፍለ ግዝኣት ሰሜን ኪቩ ዓብየቲ መኻይን ንሰባት ፅዒነን ጥሩምባን ሙዚቃን ገይረን እቶም ወፍሪ ምርጫ ዘካይዱ ዘለው ድማ ይስዕስዑ።ናይ ምርጫ ፖስተራት ፈቖዶ ተለጢፎም ይርአዩ።ንናይታ ሃገር ፕሬዝዳንት 11 ሕፁያት ተወዳደርቲ ይነሓንሑ ኣለው።1,800 ሕፁያት ድማ ንፓርላማ ይወዳደሩ ኣለዉ።

ኩሎም ደገፍቲ ሕፁያቶም ከምዝስዕሩ ብርግፀኝነት ይዛረቡ።ግን እቲ ምርጫ ኣብ እዋኑ ከምዝካየድ፡ብሰላም ከምዝፍፀምን ሚዛናዊ ከምዝኸውንን ዋላ ሓደ ሰብ ርግፀኛ ኣይኸውንን።

ተመሳሳሊ እምነት ሒዞም ምስ ዝተኣከቡ ሰባት እትርከብ ደቦራ ሚሳፋሪ ካብቶም ላዕለዎት ሰለስተ ፕሬዝዳንታዊ ሕፁያት ሓደ ንዝኾኑ ንቪታል ካመረህ ትድግፍ።ንሶም እንድሕር ስዒሮም ትብል ንሳ ዳግም ህውከት ክልዓል እዩ ክትብል ስግኣታ ትገልፅ።

እቶም ተኣኪቦም ዘለው ሰባት ኣብስልጣን ዝርከቡ ፕሬዝዳንት ጆሴፍ ካቢላ ክስዕሩ ዝኽእሉ እቲ ምርጫ እንተተሰሪቑ ጥራሕ እዩ ይብሉ።እንድሕር ከምኡ ኮይኑ ይብሉ ብምቕፃል ናብ ጎደናታት ወፂኦም ተቓውምኦም ንምግላፅ ወጢኖም ኣለው።

ናይቲ ከባቢ መራሕቲ ገዛኢ ፓርቲ እቲ ሰኒ ዝካየድ ምርጫ ፅሩይ ከምዝኸውን ተስፍኦም ይገልፁ።ክራይል ሙሃንጛ ኣብ ሰሜን ኪቩ ንናይ ፕሬዝዳንት ካቢላ ናይ ምርጫ ወፍሪ ይመርሑ።ንሶም እቶም ፕሬዝዳንት ኣብ ውሽጢ 40 ዓመታት ዝተመረፁ እንኮ መራሒ ሃገር ስለዝኾኑ ከምዝስዕሩ ብርግፀኝነት ይዛረቡ።

ክርስቲያን ባዶሴ ካብቶም 1,800 ሕፁያት ፓርላማ ሓደ እዮም።ንሶም ቀንዲ ተነሓናሒ ፕሬዝዳንት ካቢላ ከምዝኾኑ ትፅቢት ዝግበረሎም ንኢትየን ሽስከዲ ይድግፉ።ኮምሽን ምርጫ ተኣማኒን ግልፅን ምርጫ ከካይድ ተኽእሎ እንተሃሊይዎ ይጠራጠሩ።

እቲ ወፍሪ ምረፁኒ ይጠቓለል ኣብዘለሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ተስፋታትን ወጥርን ዝለዓለ እዩ።እቶም ኮምሽነራት ድማ ንናይ ሰኒ ውድድር ተዳሊዮም ኣለው።

XS
SM
MD
LG