ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ዞባ ኣርሲ 3 ሰባት ብዕጡቓት ምቕታሎም መሰካኽር ሓቢሮም


ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ኣርሲ ዕጡቓት ዝሓለፈ ሰሉስ ሰለስተ ሲቪላት ከም ዝቐተሉ መሰኻኽር ሓቢሮም። ከምኡ `ውን ሰለስተ ካልኦት ከም ዝቖሰሉን ንብረት ምዕናውን ዘረፋ ምክያዱን ነበርቲ ወረዳ ኣሰኮ ንድምጺ ኣመሪካ ተዛሪቦም ኣለዉ። ኣብ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ኢትዮጵያ ሃገረ- ስብከት ኣርሲ፡ በቲ መጥቃዕቲ ዝሞቱ ሓሙሽተ ምዃኖምን ካብ መንጎኦም ሓደ ካህን ከም ዝርከቦምን ሓቢሩ`ሎ።

ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ 'ሸኔ' ኢሎም ዝጸውዕዎም ዕጡቓት ኦሮሞ ምዃኖም ድሕሪ ምምልካት በቲ ግጭት እንተወሓዱ 400 ስድራቤታት ከም ዝተፈናቐሉ ተዛሪቦም ኣለዉ።

ብዛዕባ`ቲ ጉዳይ ካብ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኮነ ካብ መንግስቲ ርእይቶ ንምስማዕ ድምጺ ኣመሪካ ዝካየዶ ጻዕሪ ኣይተዓወተን። እንተኾነ እቲ ሸኔ ኢሎም ዝግለጽዎ ዕጡቕ ጉጅለ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ተመሳሳሊ ክስታት ክመጾ ከሎ ንሲቪላት ዒላማ ኣይገብርን ዝብል ምላሽ ክህብ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG