ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምብራቕ ኣፍሪቃዊያን ስደተኛታት ኣብ ኢንዶኖዥያ ንዘይውሱን መጻኢ ይጽበዩ


ፓሳር ሚንጉ ከባቢ- ኢንዶኖዥያ
ፓሳር ሚንጉ ከባቢ- ኢንዶኖዥያ

ራና ጓል 24 ዓመት ኢትዮጵያዊት መንእሰይ’ያ፡ ኣቡኣ ኣብ ፖለቲካዊ ንጥፈታት ይሳተፍ ብምንባሩ ቅድሚ ንሳ ምውላዳ’ዩ ንስደት ኣምሪሑ። ራና ኣብታ ሓተቲ ዑቕባ ዘይትቕበል ስዑዲ ዓረብ ተወሊዳ፡ እንተኾነ ጓል 16 ዓመት ምስ ኮነት ናብ ሃገራ ኢትዮጵያ ተጠሪዛ። ኣብ ኢትዮጵያ ትምህርታ ብምቅጻል ብቀዳማይ ዲግሪ ተመሪቓ። ኣብ 2015 ዓ.ም ኣብታ ሃገር ብዘጋጠመ ተቓውሞ ማሕበረሰብ ኦሮሞ ምክንያት ዳግማይ ንስደት ምምርሓ ትገልጽ።

ራና መጀመርያ ናብ ጅቡቲ ዘምርሓት ክትኸውን ከላ ንሓተቲ ዑቕባ ተወላዶ ኦሮሞ ውሕስነት ዘይብላ ሃገረ ጅቡቲ ምስ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘለዋ ምስምማዕ ሓተቲ ዑቕባ ናብ ሃገሮም ስለ ትጥርዝ፡ ራና ምስ አዲኣን ሓዋን ናብ ኢንዶኖዥያ ምምርሓ ትግለጽ። ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝፈልጥዎ ሰብ ከምዘይብሎም ንቋንቋ እታ ሃገር’ውን ከምዘይፈልጡ ራና ትገልጽ።

ራና ኢንዶኖዥያ ድሕሪ ምብጽሓ ድሕሪ ዓመት ሕቶ ዑቕባኣ ተቐባልነት ረኺቡ ኣብ ፓሳር ሚንጉ ባራ ዝተባህለ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዋና ከተማ ጃካርታ ዝርኸብ ከባቢ ናብራኣ ክትመርሕ ጀሚራ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት እዚ ከባቢ ከም ራና ዝአመሰሉ ካብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታትን ገለ’ውን ናብ ኣውስትራልያ ኣብ ምጉዓዝ ከለው ዝተኮልፉ ብዙሓት ስደተኛታት መንበሪ ኮይኑ’ሎ።

ኣብ ጉዳይ ምጥያስ ስደተኛታት ኣብ ኢንዶኖዥያ ዝሰርሕ ጠበቃ ትሪሽ ካመሮን ስደተኛታት ምብራቕ ኣፍሪቃ ኣብ ኢንዶኖዥያ’ውን መልሲ ንናይ ዑቕባ ሕቶ ክረኽቡ ንዓመታት ከምዝጽበዩ ብምግላጽ፡ ናብ ካልኦት ዝማዕበለ ሃገራት ዝጣየሱ መስርሕ ዝጀመሩ ድማ ዝበዝሓ ከምዝጽበዩ የረድእ።

ኣብ ከባቢ ፓሳር ሚንጉ ባራ ልዕሊ 200 ተወላዶ ኦሮሞ ስደተኛታት ከምዝነብሩ ፡ ብተወሳኺ ዜጋታት ካልኦት ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝኮኑ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ኣብቲ ቦታ ከምዝነብሩ ካሜሮን ይገልጽ።

ራና ግን ነዚ ሓድሽ መንበሪኣ ውሕስነት ዘለዎ ቦታ’ዩ ትብል።

“ኣብዚ ቦታ ጋሻነት ኣይስማዓካን’ዩ። ምናልባት ብዙሓት ስደተኛታት ንነዊሕ እዋን ኣብዚ ቦታ ክነብሩ ስለዝጸንሑ ይኾኑ” ትብል ራና።

ሓዋ ንራና ካብ ኢትዮጵያ ክወጹ ከለው ተማሃራይ 10ይ ክፍሊ እዩ ኔሩ፡ ኣብ ኢንዶኖዥያ ስደተኛታት ከሰርሑ ኮነ ክመሃሩ ፍቓድ ብዘይምህላው ኣብ ሓዋ ዝረአ ተስፋ ምቁራጽ ከምኡ’ውን ብሕማም ሽኮርያ ብተደጋጋሚ ናብ ሆስፒታል ተምርሕ አዲኣ ግን ከምዘተሓሳስባ ኣይሓብአትን።

ራና እንጀራ ብምሻጥ ትመሓድር ኮይና ንሳ’ውን እንተኾነ ብጭንቀት፡ ስእነት ድቃስን ኩነታት ስድራቤታን ማሕበረሰባን ከምትሳቀ ትገልጽ።

ራና ዋላ’ኳ መጻኢኣን መጻኢ ስድራቤታን እንተዘይተፈልጠ ብዝነበራ ናይ ፖለቲካ ተሳትፎ ግን ከምዘይትጠዓስ ትገልጽ ምክንያቱ ትብል ንሳ “ሰባት ኣብ ቅድመይ እንዳሞቱ ስቕ ኢለ ክዕዘብ ኣይክእልን።"

ራና ዋላ’ኳ ተከታሊት እምነት እስልምና እንተኾነት ጸጉሪ ርእሳ ምሽፋን ዝጀመረት ግን ኣብ ጃካርታ ምኳኑ ብምግላጽ ንክብሪ ጎረባብታ ኢላ ከምትገብሮ’ውን ትዛረብ።

ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃ ኣብ ኢንዶኖዥያ ሚትራ ሳሊማ 16 ሚእታዊት ካብቶም ኣብቲ ትካል ዝተመዝገቡ 14,093 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቕባን ካብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመጹ ምኳኑ ትሕብር። መብዛሕትኦም ካብ ሶማል፡ ኢትዮጵያን ሶማልን ዝመጹ ክኾኑ ከለው ገለ’ውን ካብ ኤርትራ፡ ሞዛቢክን ኡጋንዳን ዝመጹ ከምዘለው ትገልጽ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ራና ብዘለዋ ናይ ቋንቋ ክእለት- ኦሮምኛ፡ኣምሓርኛ፡ ዓረብን እንግሊዝን ከም ተርጓሚት ብምኳን ኣብቲ ስደተኛ ማሕበረሰብ ትነጥፍ።

XS
SM
MD
LG