ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ግጭት የመን ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ ዝፈጥሮ ሓደጋ ኣሎ ይብሉ ተንተንቲ


Seorang pria berjalan di jembatan Sydney Harbour dengan latar belakang supermoon di Sydney, Australia.
Seorang pria berjalan di jembatan Sydney Harbour dengan latar belakang supermoon di Sydney, Australia.

ስዑድ ዓረብ ንደብዳብ ነፈርቲ ኣንፃር ደባይ ተዋጋእቲ ሃውቲ ትመርሕን፣ እቲ ኣፍልጦ ዝረኸበ መንግስቲ ፕረዚደንት ኣብድ-ራቡ ማንሱር ናብ መንበሩ ንክምለስን ትሰርሕ’ላ።ኣብ’ቲ ስርሒት ንስይዳን፣ግብፅን ሞሮኮን ሓዊሱ 10 ሃገራት ዓረብ ይሳተፋ’ለዋ።

እቲ ግጭት ንብርክት ዝበላ ሃገራት ዜጋታተን ከስሕባ ስለዘገደደ፣ዋሕዚ ስደተኛታት ምስዓቡ ዘይተርፍ’ዩ።መብዛሕተኦም ናብ ኤርትራ፣ጂቡቲን ሶማልያን ክሰግሩ’ዮም ዝብል ግምት’ውን ኣሎ።

እቲ ኣብ የመን ተፈጢሩ ዘሎ ፀገም፣ጉጅለታት ፈጠራ ራዕዲ ፅላሎም ንከጋፍሑ ክብለፅሉ ይኽእሉ’ዮም።

ካብ ጀርመን ኮይኑ ንፀጥታዊ ምዕባለታት ዝከታተል ያን ፕየሪ ብወገኑ፣ ወሽመጣት ቀይሕ ባሕሪን ዓደንን፣ጎደናታት ዘይሕጋዊያንን ጉጅለታት ፈጠርቲ ራዕዲን ክኽወን ይኽእል’ዩ ይብል።

ሳላ ጥሙር ወፍሪታት ሕብረት ኣፍሪቃን ሰራዊት ሶማልያን እቲ ኣል-ሸባብ ይቆፃፀሮ ዝነበረ ግዝኣታት ተሸምሪሩ’ሎ።ርእሰ-ቅትለታዊ ጥቅዓትን ውግእ ድብያን ግና ቀፂሉ ይርከብ ኣል-ሸባብ።

ኣብ ውሽጢ ኣል-ሸባብ ዝተፈጠረ ምግምማዕ ይብል ፕየሪ፣እቲ ጉጅለ ስለህልውና ኢሉ ምስ ግይጅለ እስላማዊ መንግስቲ ኣብ ዒራቅን ሶርያን ዝውግነሉ ኩነታት ክፍጠር ከምዝኽእል ይዛረብ፣

እዚ ማለት ይብል ፍራንክሊን፣ኬንያ ኣብ’ቲ ምስ ሶማልያ ዘዳቡባ ከባቢ ንካልእ ዙር መጥቃዕቲ ሽበር ክትቃላዕ ትኽእል’ያ በለ።

ብዘይካ’ዚ ዶብ ሰገር ፈጠርቲ ራዕዲን ጂሃዳዊያንን ብወሽመጥ ዓደን ኣቢሎም ናብ ሶማሊ-ላንድን ሶማልያን ክሰግሩ ይኽእሉ’ዮም።

XS
SM
MD
LG