ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትካል ስዱዳት ሕ/ሃ ብደርቂን ጥሜትን ኣብ ሶማልያ ስንባድኡ ይገልፅ


4 ሽህ ሶማልያዊያን ዕለታዊ ናብ ኬንያን ኢትዮጵያን ይሰግሩ ኣለው

ፍርቂ ሚልዮን ህፃናት ቀርኒ ኣፍሪቃ፣ብጠንቂ ጉድለት ኣመጋግባ ኣብ ድርኲኺት ሞት ከምዝርከቡ ትካል ህፃናት ሕ/ሃ ኣፍሊጡ።ኣብ ኬንያን ኢትዮዽያን በፂሖም ዝተመልሱ ክልተ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን እቲ ትካል፣ሚልዮናት ሰባት ብሕልፊ ህፃናት ኣጋጢምዎም ዘሎ ከቢድ ፀገም ከምዘሻቀሎም ይገልፁ።

ሰበ-ስልጣን ሕ/ሃ ኣብ ደቡብ ምብራቅ ኢትዮዽያ መዕቆቢ ስደተኛታት ዶሎ ኣቦ፣ኣብ ኬንያ ድማ ንመዕቆቢ ስደተኛታት እቲ ዝዓበየ ካምፕ ስደተኛታት ዓለም ዳዳብ ተዓዚቦም‘ለው።ሓላፊ ክፍሊ ህዝባዊ ጥዕና UNHCR ፓወል ስፒጌል፣በቲ ዝራኣዮ ነገር ከምዝተሰናበደ ይዛረብ።

ሚስተር ስፒጌል ወሲኹ ”ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ 10 ሽሕ ሰባት እቶም ሸውዓተ ነጥቢ ኣርባዕተ ይሞቱ።ንምንፅፃር ኣብ ትሕቲ ሳሃራ ኣፍሪቃ፣እቲ ኣሃዝ ዜሮ ነጥቢ ሓሙሽተ እዩ።ብሓፈሽኡ ህፁፅ ኩነታት ኣሎ ዝባሃል ብውሑድ ሓደ ሰብ ምስ ዝመውት‘ዩ።ስለዚ እቲ ፀገም ብ15 ሚእታዊ ዝዓበየ ብሕልፊ ንትሕቲ ሓሙሽተ ዝዕድሚኦም ህፃናት ዝለከመን ኮይኑ‘ሎ።ደረጃ ጉድለት ኣመጋግባ እውን ኣዝዩ ዝሓመቀ‘ዩ” በለ።

ካብ ዶብ ኣልቦ ሓካይም ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዝገልፆ፣ምሒር ሕፅረት ዝተማለአ ኣመጋግባ ኣብ‘ቲ ካምፕ ካብ ብደረጃ ዓለም ብሓምሳ ሚእታዊ ዝናሃረ፣ናብ ሞት ዘብፅሕ ጉድለት ኣመጋግባ ድማ ኣብ 26.8 ሚእታዊ ከምዝርከብ ሓቢሩ።

ተጠባባቂ ሓላፊ UNHCR ዞባ ቀርኒን ምብራቅን ኣፍሪቃ ራውፍ ማዙው፣ ብቁፅሪ እቶም ናብ ኬንያን ኢትዮዽያን ይሰግሩ ዘለው ግዳያት ከምዝተገረመ ይገልፅ።

”ኣብ ሓደ እዋን፣ካብ ሶማልያ ናብ ኢትዮዽያን ኬንያን ዕለታዊ ኣስታት 4 ሽሕ ሰባት ይሰግሩ ነይሮም።ሎሚ ቁሩብ ዝነከየ ይመስል። ከምኡ ኢሉ ክቅፅል‘ዩ ኢልና ግና ክንግራህ የብልናን።ኣብ ሶማልያ ዝተኸሰተ ኩነታት፣ካብ ጊዜ ናብ ጊዜ እናባኣሶ‘ዩ ዝኸይድ ዘሎ።ተደጋጊሙ ከምዝተገልፀ፣ሶማልያ ዘጓነፋ ደርቂን ህውከትን፣ነዚ ንሪኦ ዘለና ፀገም ከምዘስዓበ ክፍለጥ ኣለዎ” ይብሉ ንሶም።

ሓለፍቲ ካምፕ ዶሎ፣እቲ መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ሓፂር ጊዜ ከምዝመልአ ይዛረቡ።ኣብ ዶሎ ክልተ መፅለሊ ስደተኛታት ኣሎ።ተወሰኽቲ ግዳያት ደርቂን ኲናትን ንምትእንጋድ ኣብ ዶሎ ኣቦ ሳልሳይ ካምፕ ይስራሕ ኣሎ።ከም ኣገላልፃ‘ቶም ሓለፍቲ፣ስሳ ሽሕ ስደተኛታት ዘተኣናግድ ካምፕ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ መዓልቲ ክኽፈት‘ዩ።

ናብራ ካምፕ ፅንኩርን ንጥዕና ዘይምረፅን‘ዩ ይብሉ እቶም ሓለፍቲ። ነበርቲ ካምፕ፣እኹል ፅሩይ ዝስተ ማይ፣ዝተኳዕተ ዓይኒ-ምድሪ ስለዘይርከብ ድማ ደረጃ ፅርየት ኣዝዩ ዝወረደ ከምዝኸውን‘ውን ይዛረቡ።

ኣብ ዶሎ ኣቦን ዳዳብን ዘሎ ኩነታት ኣዝዩ ፅንኩር ስለዝኾነ፣ንማይ-ወለድን ካልኦትን ሕማማት ከምኡውን ንውፅኣት ክቃልዑ ይኽእሉ‘ዮም ኢሎም‘ውን የጠንቅቁ።ኮሌራ ግና ዛጊድ ኣይተኸሰተን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG