ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተሳትፎ ደቂ-ኣንስትዮ ኣብ ላዕለዋይ ኣብያተ-ትምህርቲ ምብራቅ ኣፍሪቃ


ንደቂ-ኣንስትዮ ናብ መሪሕነት ምብቃዕ ቀንዲ ትኹረት ክረክብ ኣለዎ'ውን ተባሂሉ

ኣብ ምብራቅ ኣፍሪቃ፣ናብ ላዕለዋይ ቤ/ትምህርቲ ኣትዮም ዝማሃሩን በቲ ብርኪ‘ቲ ሓላፍነት ዝቅበሉን ቁፅሪ ደቂ-ኣነስትዮን ደቂ-ተባዕትዮን ሓያል ዘይምምጥጣን ይራኣየሉ።ኣዝየን ሒደት ደቂ-ኣነስትዮ‘የን ብደረጃ ዩኒቨርስቲ ተማሂረን ዝምረቃ።ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ግና፣ንበዝሒ ደቂ-ኣነስትዮ ተማሃሮ ዩኒበርስቲ ንምውሳኽ ፃዕሪታት ይግበር‘ሎ።

መምህር ማርታ ሙህዌዚ፣ኣብ‘ዚ ቀረባ ንዝተሳተፈትሉ ምረቃ ተማሃሮ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ዩጋንዳ ዘኪራ “ካብ‘ቶም ተመረቅቲ፣17 ሚእታዊ ጥራሕ‘የን ደቂ-ኣነስትዮ።እተን ዕድምቲ ጋሻ ኮይነን መደረ ዘስማዓ ዘተኮራሉ ቀንዲ ነጥብ‘ውን ንሱ‘ዩ ነይሩ።በዝሒ ደቂ-ኣነስትዮ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ንክውስኽ እንታይ ክግበር ኣለዎ ዝብል ነጥቢ‘ዩ መዘራረቢ ኮይኑ” ኢላ።

ኣተሓባባሪት ደቂ-ኣነስትዮ መማህራን ኣፍሪቃ ንዝባሃል ትካል ትመርሕ ማርታ ሙህዌዚ፣ኣብ ዩጋንዳን ካልኦት ሃገራት‘ቲ ከባቢን፣ሳይንስን ቴክኖሎጂን፣ደቂ-ተባዕትዮ ጥራሕ ክዋፈሩሉ ዘለዎ መኣዲ ፍልጠት‘ዩ ዝብል ዝፀንሐ ኣረዳድኣ ከምዝፀንሐ ትዛረብ።እንተኾነ እቲ ኣተሓሳስባ‘ቲ ኣብ‘ዚ እዋን‘ዚ ይልወጥ‘ዩ ዘሎ በለት ማርታ።

ኣብ ኬንያ‘ውን ብተመሳሳሊ፣ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ብመሰረት ዝተወስደ መፅናዕቲ፣ደቂ-ኣነስትዮ ዝነነረን ተሳትፎ 12 ሚእታዊ ተማሃሮ ሳይንስን ቁፅሪን ምኻኑ ሓቢሩ‘ሎ።ኣብ ሓደ ዩኒቨርስቲ ኬንያ ግና ፍልይ ዝበለ ብልጫ ኣርእየን ኣለዋ ደቂ-ኣነስትዮ።ኩለን ተማሃሮ‘ቲ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ደቂ-ኣነስትዮ‘የን።

ዶ/ር ዋንጂሩ ዋንዮኪ ኣብ’ቲ ኣብ ናይሮቢ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ባዓልቲ ስልጣን’ያ።ሓደ መፅዕቲ ትብል ንሳ፣እቲ ማሕበረ-ሰብ ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ክዋፈራ ከለዋ እንታይ ይስመዓኩም ንዝብል ሕቶ ንምምላስ ከምዝፈተነ ትዛረብ።ብካልእ ወገን ደቂ-ኣነስትዮ ናብ መዝነት ክበፅሓ ይግባእ‘ውን ትብል።

“ንኣብነት፣ኣብ‘ዚ ኣብ ኪሪሪ፣ደቂ-ተባዕትዮ ከይተሓወሱወን ክሰርሓ ከለዋ፣ ንኩሉ መዝነት ይቅበላን ይሰርሓን‘ለዋ።ካብ ኣዶ-መንበር ጀሚርካ ክሳብ ኣባላት ቦርድ ኮይነን የግልግላ‘ለዋ።ኣብ‘ዚ ትካል‘ዚ ካብ ላዕሊ ክሳብ ታሕቲ ብደቂ-ኣነስትዮ‘ዩ ተታሒዙ ዘሎ” ዶ/ር ዋንጂሩ።

ኣብ ኬንያ ክፍሊ ሃገራዊ ምትሕብባር ደቂ-ኣነስትዮ ትሰርሕ ፓሜላ ኣፕዮ ብወገና፣ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ዝላዓለ መዝነት ክሰርሓ ከለዋ፣ንብዕድመ ዝታሓታ መናእሰይ ደቂ-ኣነስትዮ ፅቡቅ ኣብነት‘የን ዝኾነአን ትብል።ንኣብነት ፍሉጣት ዩኒቨርስቲታት ኬንያ፣ብብርኪ ምክትል ፕረዚደንት ዘገልግላ ደቂ-ኣነስትዮ ኣለዋ‘ውን ትብል ንሳ።

“ንኣብነት ኣብ ዩኒቨርስቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ጃሞ ኬንያታ፣ፕሮፈሰር ማቤል ኢምቡጋ ኣላ።ኣብ ዩኒቨርስቲ ናዝሬት፣ፕሮፈሰር ልያ ማሩንጉ፣ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኬንያታ፣ፕሮፈሰር ኦሊቭ ሙገንዳን ፕሮፈሰር ብራውን ኣለዋና። እዘን ዝጠቀስኩወን፣ንካልኦት ደቂ-ኣነስትዮ ናብ ዝላዓለ ብርኪ ሓላፍነት ምብፃሕ ከምዝካኣል ዘርእያ ኣብነታት‘የን” ዝብል ገምጋም ትህብ።

ብዘይካ‘ዚ ሳላ ፕሮግራም ስልጠና ምርምር ሕርሻን ምዕባለን ዝልግሶ ደገፍ፣ ኣብ ተበግሶ መፅናዕቲ ዝሰርሓ ደቂ-ኣነስትዮ‘ውን ኣለዋ።እቲ ሽልማት ተባሂሉ ዝፍለጥ ፕሮግራም ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት‘ዩ ተጀሚሩ።

ዳይረክተርን መስራታይን ፕሮግራም ኣዋርድ ቪኪ ዋይልድ፣እቲ ተበግሶ ጀመርቲ ተመራመርቲ ደቂ-ኣነስትዮ ምስ ፍሉጣት ሳይንቲስታት ኣፃሚዱ፣ ንዓቅሚ‘ተን ደቂ-ኣነስትዮ ኣብ ምዕባይን ፍልጠተን ኣብ ምውሳኽን ዕዙዝ ኣበርክቶ ኣለዎ ትብል።

ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ትብል ንሳ፣ካብ ኣርባዕተ ማእከላት ምርምር ሕርሻ ትሕቲ ሓደ ተሳትፎ ዝነበረን ደቂ-ኣነስትዮ፣ኣብ‘ዚ እዋን ግና ርኡይ ለውጢ ኣመዝጊቡ‘ሎ ኢላ።

ኣብ ውፅኢት መፅናዕቲ‘ውን ደቂ-ኣነስትዮ ግልፂ ለውጢ የርእያ‘ለዋ።እዚ ማለት ውፅኢት መፅናዕተን ብማሕበረ-ሰብ ሳይንስ ተፈላጥነት ይረክብ‘ሎ ማለት‘ዩ ኢላ።ኣዋርድ 250 ደቂ-ኣነስትዮ ንክልተ ዓመት ንከስልጥን ኣብ ዝገበሮ ስራሕቲ፣ሰለስተ ሽሕ ሕፁያት ከምዝቀረባ‘ውን ኣዋርድ ኣፍሊጡ።

XS
SM
MD
LG