ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ 2017 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወረደ ድርቅን ግጭትን ልዕሊ 37 ሚሊዮን ሰባት ግዳያት ምኳኖም ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ኣብዚ ዝዛዘም ዘሎ ዓመተ 2017 ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብዝወረደ ከቢድ ድርቅን ግጭትን ልዕሊ 37 ሚሊዮን ሰባት ንሕሱም ሕፅረት ውሕስነት መግቢ ክሳጥሑ ገይሩ። ህፁፅ ረድኤት ሳላ ምቕራቡ ግን ብዘይካ ክልተ ዞባታት ደቡብ ሱዳን ዝኸፍአ ጥፍኣት ከይወርድ ሓጊዙ እዩ።ኣብ መጀምሪያ ዓመተ 2017 ኣብተን ክልተ ዞባታት ሰብኣዊ ኩነታት ዝኸፍአ ኔሩ።

2017 ዓ.ም ንምብራቕ ኣፍሪቃ ከቢድ ደርቂ እያ ሒዛ መፂኣ።ሶማል ብፍሉይ ብከቢድ ተጠቒዓ፤ብዙሓት እንስሳት ዘቤት ዝሃለቓሉ ብሚሊዮናት ዝቑጸሩ ሰባት ድማ ዝተመዛበልሉ ነይሩ።ጆርዲ ራይች ኣብ ሶማል ልኡኽ ዓለምለኸ ኮሚቴ ቀይሕ መሰቀል እዮም።

“ሶማል በብዓመቱ ብዝኽሰት ለውጢ ኩነታት ኣየር ክጥቓዕ ፀኒሓ እያ።ዞባዊ ተፅዕኖ ኣለዎ፤ካብቶም ዝሓለፉ ዓመታት ዝኸፍአ እዩ ነይሩ።” ድሕሪ ምባል ናብ ንቡር ንምምላስ ዓመታት ክወስድ ከምዝኽእል ይገልፁ።

ኣብ ደቡብ ሱዳን ግን ምንጪ ጥምየት ድርቂ ከይኮነስ ኵናት እዩ።መንግስቲ ረድኤት ከይበፅሐ ዕንቅፋት ይፈጥር’ዩ ዝብል ኽስታት’ውን ይቐርብ’ዩ።ወሃቢ ቃል ፕሮግራም መግቢ ዓለም ፒተር ስመርዶን ኣብ ደቡብ ሱዳን ዓፀቦ ከምዘሎ ይገልፁ።

“ካብ ጥቅምቲ ክሳብ ታሕሳስ ኣዝመራ ዝሕፈሰሉ ወቕቲ እዩ።ኣዝመራ ክሕፈስ ከሎ ድማ ውሕስነት መግቢ ብዝሓሸ ዝረጋገፀሉ እዩ።ኣብዚ ዓመት ግን ኣብ ኽፋላት ደቡብ ሱዳን 25 ሽሕ ሰባት ኣብዚ ናይ ኣዝመራ እዋን ዓፀቦ ኣጋጢሙዎም ኣሎ።ዓሚ ግን ከምዚ ዝበለ ኩነታት ጥምየት ኣይነበረን።”

ኣብ ደቡብ ሱዳን ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ብዝሒ ንጥምየት ዝተቓልዑ ሰባት ብዕፅፊ ከምዝዓበየ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ይገልፅ።

“ቁጠባ እታ ሃገር ይሓቅቕ ኣሎ።ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዋጋ መሰረታዊ ዝኾነ መግቢ ብ250 ሚእታዊት ወሲኹ።ስለዚ እቲ ኩነታት ካብ ናይ ሰባት ዓቕሚ ንላዕሊ እናኾነ ይኸይድ ኣሎ።”

ኣብ ዝሓለፈ ነሓሰ ሓደ ሚሊዮን ደቡብ ሱዳናዊያን ዶብ ሰጊሮም ናብ ሰሜን ኡጋንዳ ተሰዲዶም።እቲ ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ ናይቲ ከባቢ ቀረብ መግቢ ከቢድ ተፅዕኖ ከምዝንበረ ይግለፅ።ካብ ደቡብ ሱዳን የዪ ዝተሰደደ ጆን ከሚስ ኣብ ሃገር ዘጋጠሞ ከምዚ ይብል።

“ብዙሕ ኪሳራ እዩ ኣጋጢሙኒ።ዘራእተይ ኣብ ማዕኸነይን ድሕሪ ቤተይን ገዲፈ እየ ወፂአ።ፍርቁ ብሓዊ ነዲዱ፤ብዙሕ ኪሳራ እዩ ወሪዱኒ።”

ኣብ ልዕሊ ከቢድ ደርቂን ናህሪ ዋጋ መግብን ኣብ ዙሪያ እታ ክፍለ ኣህጉር ዝወረደ ባልዕ ዘራእቲ እውን ነገራት ኣጋዲዱ እዩ።ኣብ ኬንያ ዋጋ ማሸላ ባሕሪ ብልዕሊ ዕፅፊ እዩ ወሲኹ።

ብዝኾነ 2017 ዓ.ም በዚ ትሓልፍ ኣላ፤ሰባት 2018 ዓ.ም ንምብራቕ ኣፍሪቃ መጠኑ ዝሓለወ ዝናብ፣ፅቡቕ ኣዝመራን ሰላምን ሒዝሉ ክመፅእ ይምነዩ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።


XS
SM
MD
LG