እዚ ባልዕ ኣብ ምህርቲ ሕርሻ ጉድኣትን የስዕብ ምህላው ንባልዕ ምክልኻል ዝንጸግ ፈውሲ ባልዕ ድማ ኣብ ውሕስነት መግቢን ዋጋ መግቢን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዘለዎ ይግለጽ'ሎ።
ቲሞቲ ማባያ ወዲ 25 ሓረስታይ ኣብ ምዕራብ ኬንያ’ዩ። ንሱ ካብ ወርሒ ሚያዝያ ጀሚሩ ብዝተራእየ ወራር ባልዕ 75 ሚእታዊት ካብ ናይ ዕፉን ዘራእቱ ምዕናው ይገልጽ።
“ዋላ ሓደ ነገር ክንገብር ኣይኸአልናን ምክንያቱ እቲ ባልዕ ብጉጅለ ብምኳን ንዝወረርዎ ዘራእቲ የዕንው ኣለው። ካልእ ኣማራጺ ዘራእቲ ንምዝራእ ፈቲነ’የ። ኣብዚ ሕጂ ዝጅምር ዘሎ ኣዋርሕ ኣዝመራ ካሳቫ(ሱሩ ዝብላዕ ተኽሊ’ዩ) ክዘርእ ጀሚረ ኣለኹ።”
ሕብረት ንቀጠልያ ሰውራ ኣብ ኣፍሪቃ ናይ ዝተባህለ ናይ ምምዕባል ፕሮግራም ዳይሬክተር ጆ ደቨሪስ እዚ ዓይነት ባልዕ መጀመርያ ኣብ ወርሒ ጥሪ 2016 ዓ.ም ኣብ ናይጀርያ ምርኣዩ ቀጺሉ ብቅልጡፍ ብምዝርጋሕ ኣብ ወርሒ መጋቢት እዚ ዓመት’ዚ ኣብ ኬንያ ምርኣዩ ይገልጹ።
እዚ ዓይነት ባልዕ ነዊሕ መንገዲ ክጉዓዝ ከምዝኽእልን ደቂ ኣንስትዮ ድማ ክሳብ 1,000 እንቋቑሖ ኣብ ሓደ እዋን ከውድቓ ከምዝኽእላ ተመራመርቲ ይሕብሩ።
ኣብ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል መግቢን ሕርሻን ሓላፊ ክፍሊ ምህርቲ ዊልሶን ሮኖ ካብ ናይ ኬንያ ቤት ጽሕፈቶም ኣብ ዝሃብዎ ቃል ምንጻግ ፈውሲ ባልዕ ነቲ ብሰንኪ ደርቂ ዝረአ ዘሎ ምውሳኽ ዋጋ መግቢ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ከምዘጋደዶ ይገልጹ።
ንሶም ብተወሳኺ ነዚ ዓይነት ባልዕ ንምግጣም ካልእ ሰፊሕ ኣገባብ ከምዘድልይ’ውን የረድኡ።
ብመሰረት ሓበሬታ ዊልሶን ሮኖ ልዕሊ 400,000 ሄክታር መሬት ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ በቲ ባልዕ ምውራሩ፡ ከም ውጽኢቱ ድማ ብገምጋም አስታት 4 ቢልዮን ዶላር ኪሳራ ንናይ ዕፉን ምህርቲ እቲ ዞባ ከስዕብ ከምዝኽእል የጠንቕቁ።