ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓይልታት ድልውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ጀሚሮም


ሓይልታት ድልውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ጀሚሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:05 0:00

ሓይልታት ድልውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ጀሚሮም

ሓይልታት ድልውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝሓለፈ ሰሙን ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ሱዳን ምጅማሮም ተገሊጹ።

ኣብቲ ልምምድ ዝሳተፋ ዘለዋ አባል ሓይልታት ድልውነት ዝኾና ኢትዮጵያ፡ኬንያ፡ሩዋንዳ፡ሶማል፡ ሱዳንን ኡጋንዳ ምኳነን ተሓቢሩ’ሎ።

እቲ ወታሃደራዊ ልምምድ በዓይነቱ ናይ መጀመርያን ዝዓበየን ምኳኑ’ውን ተገሊጹ’ሎ።

መራሕቲ እተን አባል ሃገራት እቲ ወታሃደራዊ ምትሕብባር ንቅልጡፍ ምውፋር ሰራዊት ንምርግጋጽ ሰላም ዝዓለመ ምኳኑ ሓቢሮም ኣለው።

እቲ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣብ ጊበት ዝተባህለ ብዙሕ ህዝቢ ዘይነብረሉ ሰሜናዊ ምብራቕ ሱዳን ዝርኸብ ቦታ ዝኻየድ ዘሎ ኮይኑ ኣብ ጥቃ’ቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ግብጺ ዘሎ አሰሓሓቢ ቦታ ዝርከብ ምኳኑ’ውን ተፈሊጡ’ሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ሓይልታት ድልውነት ምብራቕ ኣፍሪቃ ሜጀር ጀነራል ኢዘዲን ጣሃ ኡትማን “ እዚ ወታሃደራዊ ልምምድ ዜጋታት ብዙሓት ሃገር ዝሳተፉሉን ብዙሕ መዓዝናዊ ኮይኑ ኣብቲ ብብዙሕ ዕግርግርን ዘይምርግጋእን ክለዓሉ ዝኽእሉ ኩሎም ኩነታት ዘጠቓለለን እዩ” ኢሎም።

ኣቐዲሙ ብምህናጽ ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ብዝምልከት ኣብ መንጎ ግብጺን ሃገራት ፈለግ ኒል ዝኾነ ሱዳንን ኢትዮጵያ ውጥረት ተላዒሉ ምንባሩ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG