ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ሎሚ ንጉሆ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።እቲ ብሬክተር መዐቀኒ 4 ነጥቢ ዝተመዝገበ ምቅንጥቃጥ ክሳብ ደደርን ሃረርን ከምዝተሰምዖ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።
ቅድሚ ስዓት 1:54 ዝወረደ ርዕደ መሬት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ፅንክር ዝበለ ከምዝኾነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ጂኦፊሲክስን ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖምን ክኢላ ምንቅጥቃጥ መሬትን ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ገሊፆም።