ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኢትዮጵያ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ


ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዞባ ምብራቕ ሃረርጌ ሎሚ ንጉሆ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጋጢሙ።እቲ ብሬክተር መዐቀኒ 4 ነጥቢ ዝተመዝገበ ምቅንጥቃጥ ክሳብ ደደርን ሃረርን ከምዝተሰምዖ ነበርቲ ገሊፆም ኣለው።

ቅድሚ ስዓት 1:54 ዝወረደ ርዕደ መሬት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ዝተኸሰተ ምንቅጥቃጥ ፅንክር ዝበለ ከምዝኾነ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርስቲ ዳይረክተር ጂኦፊሲክስን ህዋ ሳይንስን ኣስትሮኖምን ክኢላ ምንቅጥቃጥ መሬትን ፕሮፌሰር ኣታላይ ኣየለ ገሊፆም።

XS
SM
MD
LG