ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ከተማ ኒው-ዮርክ 4.7 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢሙዋ፡ ኣብ ሰብ ዝወረደ ጉድኣት እንተልዩ ግን ዛጊት ኣይተፈልጠን


ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ሎሚ ዓርቢ ዝተራእየ 4.7 ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ ካብታ ከተማ ሰጊሩ ክሳብ 45 ማይላት ወይ ድማ 72 ኪሎሜተር ከምዝተሰምዐ’ውን ዝበጽሓና ዜና ይገልጽ።

ከንቲባ ከተማ ኒውዮርክ ኤሪክ ኣዳምስ ሓይል ድምጺ እኳ እንተ ገበረ፡ ዛጊት ግን ኣብ ሰብ ዝወረደ ሓደጋ እንተልዩ ኣየረጋገጸን።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ኣመሪካ ዝርከባ ክፍለ-ሃገራትን ከተማታትን ባልቲሞር፡ ፊላደልፊያን ከነቲከትን ምንቅጥቃጥ ከም ዝተራእየን ኣመልኪተን ኣለዋ። እዘን ከተማታት ቅድሚ ሕጂ ከምኡ ዝመስል ተርእዮ ከም ዘይነበረን ይፍለጥ።

ኣብ ኣመሪካ ኣብ ነሓሰ 2011 ካብ ክፍለ-ሃገር ጆርጂያ ክሳብ ካናዳ ዝዝርጋሕ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ሚልዮናት ከም ዘመዛበለ ይዝከር። እቲ 5.8 ዝዓቐኑ ናይ ሽዑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣብ ምብራቓዊ ወገን ኣመሪካ ድሕሪ ካልኣይ ኲናት ዓለም እቲ ዝሓየለ ምዃኑ ይዝከር።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG