ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

7.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ማእከላይ ጃፓን ኣጋጢሙ


ሎሚ ሰኑይ 1 ጥሪ 2024፤ 7.6 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ማእከላይ ጃፓን ኣጋጢሙ።

ኣብ ገማግም ማያት ከተማ ዋጂማ ልዕሊ ሓደ ሜትር ንውሓት ዘለዎ ማዕበል ውሒዙ ኣሎ።

ኤጀንሲ ሜትሮሎጂ ጃፓን ኣብ ምዕራባዊ ገማግማት ዞባታት ኢሺካዋ፣ ኒጋታን ቶያማን መጠንቀቕታ ኣዊጁ ኣሎ።

ናይ ጃፓን ኮርፖሬሽን ፈነወ ዋሕዚ ማይ ክሳብ ሓሙሽተ ሜትሮ ክበፅሕ ከምዝኽእል መጠንቀቕታ ብምፍናው ሰባት ብዝተኽኣሎም መጠን ብቕልጡፍ ናብ በሪኽ መሬት ወይ ጫፍ ህንፃታት ክወፁ ኣጠንቂቑ ኣሎ።

ሰባት ኣብ መደበራት ባቡርን ጎደናታትን ክሃድሙ ዘርእዩ ቪዲዮታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ክዘዋወሩ ይርኣዩ።

ቅጥዒ

XS
SM
MD
LG