ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ሜክሲኮ ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 32 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ሜክሲኮ ትማሊ ሓሙስ ለይቲ ብዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ብውሑዱ 32 ሰባት ምሟቶም ኣማሓዳሪ ኦክቻ ገሊፆም።

ኣልሃንድሮ ሙራት ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ ካብቶም ዝሞቱ 17 ካብ ከተማ ጁሺታን እዮም ኢሎም።

ብዝሒ ናይ ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእል ሰበስልጣን’ታ ሃገር ይገልጹ።

ናይ ሜክሲኮ ፕረዝደንት ኤንሪኩዌ ፔኛ ኒየቶ እቲ 8.2 ዝተመዝገበ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ሜክሲኮ ደቡባዊ ገማግም ማያት ሰላማዊ ውቅያኖስ ዘጋጠመ ኮይኑ እታ ሃገር ካብ ዘጋጠማ ልዕሊ 100 ዓመታት እቲ ዝዓበየ እዩ ኢሎም።

XS
SM
MD
LG