ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 31 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ኣፍጋኒስታን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት 31 ሰባት ምሟቶም ሰበ ስልጣን ጣሊባን ሓቢሮም።

ኣብቲ ትማሊ ሰኑይ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ከባቢ ኣፍጋኒስታን፣ ቅድሚ ሓደ ወርሒ’ውን ተመሳሳሊ ሓደጋ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣጓኒፉ ምንባሩን ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ምሟቶምን ይዝከር።

ማእከል መጽናዕቲ ስነ ምድሪ ኣመሪካ፣ ዓቐን እቲ ኣብ ኣፍጋኒስታን ዘጋጠመ ርእደ መርየት 5.1 ሬክተር ስኬል ምኳኑ’ውን ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG